ዕጡቓት ራሻይዳ፣ ንመስመር ከሰላ ካርቱም ብምዕጻው ተቓውሞ ኣካይዶም

ዕጡቓት ራሻይዳ፣ ንመስመር ከሰላ ካርቱም ብምዕጻው ተቓውሞ ኣካይዶም

Radio Erena: 05 August, 2014

Rash

ተቓወምቲ ምብራቑ ሱዳን፣ ስምምዕ ኣስመራ 2006 ኣብ ግብሪ ኣይወዓለን ብዝብል ኣብ ፖርት ሱዳን ዝጀመርዎ ተቓውሞ ኣብ ከባቢ ከሰላ’ውን ከምዝቐጸልዎ ምንጭታት ዜና ካብቲ ከባቢ ሓቢሮም።

ተቓወምቲ ምብራቕ ሱዳን ብቤጃን ራሻይዳን ዝቖመ ኮይኑ፣ እቶም ኣብ ፖርት ሱዳን ተቓውሞ ብምክያድ ንቤት ጽሕፈት ናይቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ሰልፊ ሃገራዊ ባይቶ ሱዳን ወሪሮም ዝተቖጻጸሩ ካብ ቤጃ ክኾኑ እንከለዉ፣ እቶም ኣብ ከባቢ ከሰላ ጠበናጁ ብምልዓል ንመጓዓዝያ ዓጊቶም ዝወዓሉ ድማ ራሻይዳ’ዮም።

 

ሰበ ስልጣን ፖሊስ ምስቶም ንመስመር ከሰላ ካርቱም ዓጽዮም ዝወዓሉ ዕጡቓት ራሻይዳ ክረዳድኡ ብዘይምኽኣሎም’ውን ተዅሲ ከምዝተኸፍተን ሓያሎ ከምዝቖሰሉን ናይ ዓይኒ መሰኻክር ካብቲ ቦታ ይገልጹ።

ዝበዝሑ ካብ ዓሌት ቤጃን ራሻይዳን ብዝቖመ፣ ምንቕስቓስ ምብራቕ ሱዳን ብመንጎኝት ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ምስ መነግስቲ ሱዳን ኣብ ጥቕምቲ 2006 ኣብ ኣስመራ ስምምዕ ሰላም ከምዝኸተመ ይዝከር። 

ብመሰረት እቲ ስምምዕ ድማ፣ መራሕቲ እቲ ናይ ምብራቕ ሱዳን ምንቕስቓስ ሙሳ መሓመድ ኣሕመድ ከም ተሓጋጋዚ ፕረዚደንት ኣልበሽር ኮይኑ ኣብ ስልጣን ክመጽእን፣ እቲ ካብ ምዕባለ ተነጺሉ ዝተባህለ ዞባ ምብራቕ ሱዳን ድማ ቆላሕታ ክግበረሉን ዝብል ይርከቦ።

ኣብዚ እዋን’ዚ ድማ ብመሰረት ስምምዕ ኣስመራ ዕጥቖም ኣውሪዶም ዝጸንሑ ቤጃን ራሻይዳን፣ እቲ ስምምዕ ብግብሪ ኣይተሰርሓሉን፣ ዞባ ምብራቕ ሱዳን ድማ ከም ቀደሙ ተነጺሉ’ዩ ዘሎን ብዝብል ዳግም ዕጥቖም ኣብ ምልዓል ይርከቡ።

ምብራቕ ሱዳን ዝበዝሐ ክፋሉ ምስ ኤርትራ’ዩ ዝዳወብ።
==============================================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0