“ኣብ ሊብያን ሱዳንን ኣብ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ስደተኛታት ናይ ዝተዋፈሩ ኣስታት 100 ኤርትራውያን ስም ዝርዝር ኣለና፣” ሚ/ው/ጉዳያት ሊብያ

“ኣብ ሊብያን ሱዳንን ኣብ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ስደተኛታት ናይ ዝተዋፈሩ ኣስታት 100 ኤርትራውያን ስም ዝርዝር ኣለና፣” ሚ/ው/ጉዳያት ሊብያ

Radio Erena: 05 September 2016

Libya 1

ኣብ ሊብያን ሱዳንን ኣብ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ስደተኛታት ናይ ዝተዋፈሩ ኣስታት 100 ዝኾኑ ኤርትራውያን ስም ዝርዝር ከምዘለዎ ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ሊብያ ሰነዳት ብምቕራብ ንሬድዮ ኤረና ሓቢሩ።

ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ሊብያ፣ ኣብ ምቁጽጻር ዘይሕጋዊ ስደተኛታትን ምስኡ ዝተተሓሓዘ ገበናትን ኣብ ምህዳን ዝተዋፈረ ፍሉይ ብርጌድ መዲቡ ከምዘሎ ብምርግጋጽ ብውሕዱ ሓሙሽተ ኤርትራውያንን 10ታታ ሊብያውያንን ብዘይሕጋዊ ምስግጋር ከምዝቐየዶም ኣፍሊጡ።

ኣብ ጥራብሎስ ዝመደበሩ ምክትል ኣዛዚ እቲ ፍሉይ ብርጌድ ንሬድዮ ኤረና ኣብ ሓበሬታ፣ እቶም ኣርባዕተ ኤርትራውያን ዝተወሰነሎም ናይ ማእሰርቲ ግዜ ድሕሪ ምዝዛሞም ናብ ኤርትራ፣ ሱዳን፣ ኢትዮጵያን ከምዝተፋነዉ ክገልጽ እንከሎ፣ ሓደ ግና ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከምዝርከብ ኣረጋጊጹ።

 

መብዛሕቶም እቶም ብምስግጋር ስደተኛታት ዝህደኑ ዜጋታት ኤርትራ ይኹኑ፣ ዜጋታት ሊብያን ሱዳንን ኣብተን ናይ ጥራብሎስ ይኹን ናይ ቤንቓዚ መንግስቲ ክቖጻጸሩወን ዘይክኣሉ ከም ቤን ዋሊድ፣ ሳብራታ፣ ሰብሓ፣ ኣጅዳብያን ኩፍራን ዝኣመሰላ ከተማታት ስለዝርከቡ ንምሓዞም ከምዘይተኻእለ’ዩ እቲ ኣዛዚ ዝገልጽ።

Libya 2

እዞም ብዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ዝህደኑ ዘለዉ ኤርትራውያን ይኹኑ ዜጋታት ካልኦት ሃገራት፣ ኣብዘን ጸጥተአን ዘይወሓሰ ከተማታት ሊብያ፣ ኣብ ትሕቲ ዑጡቓት ሚሊሻታትን ካልኦት ሊብያውያን ሓለፍትን ከምዝሰርሑ’ዩ ዝንገረሎም።

መንግስቲ ኢጣልያ፣ ዋሕዚ ስደተኛታት ንምግታእ ምስ ሊብያ ሓያሎ ስምምዓት ከቲሙ ከምዝነበረ ዘረጋገጸ፣ ኣሃዱ ምቁጽጻር ዘይሕጋዊ ስደተኛታት ኣብ ኩፍራ ድማ፣ እቲ መንግስቲ ነቲ ስምምዕ ዛጊት ከምዘየተግበሮ ብምጥቃስ በንጻሩ ኣተኩሮኡ ናብ ሱዳን ኣዛዝዩ ከምዘሎ ኣመልኪቱ።

መንግስቲ ኢጣልያ፣ ዋሕዚ ስደተኛታት ንምግታእ እቲ ተበግሶ ኣብ ሱዳን ክጅምር ኣለዎ ካብ ዝብል እምነት፣ ንመንግስቲ ሱዳን ሚልዮናት ዶላራት ክመባጽዓሉ እንከሎ፣ መንግስቲ ሱዳን ከኣ ኣምሳይኡ፣ ኣብቲ ምስ ሊብያ ዘዳውብ ከባቢታት ሰሃራ፣ ምዱብ ሰራዊትን ኣዕራብ ሚሊሻ ጃንጃዊድን ብምውፋር ንስደተኛታት ይሃድን ከምዘሎ ሓለዋ ዶባት ሊብያ ንሬድዮ ኤረና ኣረጋጊጹ።

ኣብዚ ኣብ ሱዳንን ሊብያን ዝካየድ ዘሎ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ስደተኛታት፣ ሓያሎ ሰበስልጣን ጸጥታ፣ ኣዘዝቲ ሰራዊት፣ ዕጡቓት ተቓወምትን ሚሊሻታትን ብዝሰፍሐ መልክዑ ይሳተፍዎ ብምህላዎም፣ ንምቁጽጻር ከቢድ ምዃኑ እቲ ኣሃዱ ኣገንዚቡ።

መዓልታዊ ክሳብ 1500 ዝግመቱ ስደተኛታት ካብ ሱዳን ናብ ሊብያ ከምዝሰግሩ ግምታት ከምዘለዎ ዝሓበረ እቲ ኣሃዱ፣ ነፍሲ ወከፍ ዝሰግር ስደተኛ ካብ 800 ክሳብ 2000 ዶላር ከምዝኸፍል’ውን ብሰነድ ተታሒዙ ከምዘሎ ጠቒሱ።

ምስ ሱዳን ኣብ ዝዳወብ ዞባ ኩፍራ ካብ ዝርከቡ ሓደ ዝኾነ ሊብያውያን ኣሰጋጋሪ ንሬድዮ ኤረና ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፣ ካብ 2008 ኣትሒዙ ኣብ ምስግጋር ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ተዋፊሩ ከምዘሎ ብምሕባር፣ ኤርትራውያን እቶም ዝበዝሐ ዝኸፍሉ ብምዃኖም፣ ቀዳማይ ምርጭኡ ምዃኖም ገሊጹ።

Libya 3

ኣብ ኩፍራ ኣብ ምስግጋር ስደተኛታት ተዋፊሩ ዝርከብ ኤርትራዊ ከኣ፣ ንባዕሉ ክሰግር ኢሉ ድሕሪ ምምጽኡ ናብቲ ናይ ምስግጋር መስርሕ ከምዝኣተወ ብምጥቃስ፣ ክብገስ እንከሎ ካብ ሱዳን ናብ ሊብያ ንምስጋር ንዝተሸገሩ ክሕግዝ ኢሉ ከምዝጀመሮን ኣረዲኡ። ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ከኣ ኣብ ልዕሊ ዝኾነ ስደተኛታት ገበን ፈጺሙ ከምዘይፈልጥን’ዩ ዝገልጽ።

==========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0