መንግስቲ ኤርትራ ንኣቡነ እንጠንዮንስ ብግዴታ ናይ ይቕሬታ መዘክር ብምኽታም ናብ ቦትኦም ንኽመልሶም ዘካይዶ ዘሎ ተደጋጋሚ ፈተነ ይፈሽል

Radio Erena: 05 September 2016

Abune Anton

መንግስቲ ኤርትራ፣ ካብ መንፈሳዊ መዝነቶም ብምውራድ ንልዕሊ 10 ዓመታት ኣብ ማሕዩር ሒዝዎም ዝጸንሐ መበል ሳልሳይ ፓትርያርክ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስትያን ኤርትራ ኣቡነ እንጠንዮንስ፣ ብግዴታ ናይ ይቕሬታ መዘክር ብምኽታም ናብ ቦትኦም ንኽመልሶም ዝገብሮ ዘሎ ተደጋጋሚ ፈተነ ከምዘይተዓወተ ተሓቢሩ።

ምስቲ ጉዳይ ቅርበት ዘለዎም ዝተፈላለዩ ወገናት ናብ ሬድዮ ኤረና ዝልኣኽዎ ሓበሬታ ከምዘመልክቶ፣ ድሕሪ ሞት እቶም ብሕርያ ህግደፍ መበል ራብዓይ ፓትርያርክ ዝኾኑን ካብ ኣብያተ ክርስትያን ዓለምን ምእመንን ተቐባልነት ዘይረኸቡን ኣቡነ ድዮስቆሮስ፣ ጳጳሳት ኦርቶዶክስት ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ኤርትራ፣ ንምትእትታው መንግስቲ ኣብታ ቤት ክርስትያን ብምንጻግ፣ ድሌት እቲ መንግስቲ ንምምላይ ጥራይ ሓድሽ ፓትርያርክ ከምዘይመርጹ ብወግዒ ሓቢሮም።

ጳጳሳት ናይ ኩለን ገዳማት ኤርትራ ንምትእትታው መንግስቲ ኤርትራ ብምቅዋም፣ እቲ መንግስቲ ነታ ቤተ ክርስትያን ከመሓድሩ ዝመደቦም ሰራሕተኛታት ሃገራዊ ድሕነትን ጸጥታን ከምኡ ድማ ንተሓባበርቶም ጳጳሳትን ኣቕሽሽቲ ዝኹንን ወግዓዊ ደብዳቤ ምርዝግሖም ኣይርሳዕን።

እቲ መንግስቲ፣ ነቲ እንሓየለ ዝመጽእ ዘሎ ተቓውሞ ጳጳሳትን ምእመንን ንምዝሓሉ፣ ነቶም ካብ መንፈሳዊ መዝነቶም ብምውራድ ንልዕሊ 10 ዓመታት ሓይርዎም ዝጸንሐን ብጹእ ዎ ቅዱስ ኣቡነ እንጠንዮስ፣ ይቕሬታ ከምዝሓተቱ ጌሩ ናብ ቦትኦም ክመልሶም ፈተነታት ከካይድ’ዩ ዝጽዕር ዘሎ።

ክሳብ’ቲ ዝሓለፈ ሰሙን ዘካየዶ ፈተነታት ከኣ ኣቡነ እንጠንዮስ፣ ዝፈጸምዎ ጌጋ ከምዘየሎን ድሌት እቲ መንግስቲ ንምርዋይ ይቕሬታ ብምሕታት ናብ መንፈሳዊ ቦትኦም ከምዘይምለሱን ከምዘረጋገጹ እቶም ምስቲ ጉዳይ ቅርበት ዘለዎም ወገናት ሓቢሮም።

ኣብ ክሊ ዕድመ 90ታት ዝርከቡ ኣቡነ እንጠንዮስ ንምትእትታው መንግስቲ ኣብ ሃይማኖታዊ ጉዳያትን ካልእ ዘይሕጋዊ ኣሰራርሓ እቲ መንግስትን ብምቅዋሞም፣ እቲ መንግስቲ ንሕግን ስርዓት ቤተክርስትያን ብምጥሓስ ካብ ቦትኦም ብምእላይ ኣብ ክንድኦም ካልእ ኣቡን ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ከምዝሸመ ይዝከር።

=================================

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0