ኣብ ለንደን ዝቕመጡ ኤርትራውያን ኣንጻር እስራኤል ሰለማዊ ሰልፊ ኣካይዶም

ኣብ ለንደን ዝቕመጡ 10ታት ኤርትራውያን ኣንጻር እቲ እስራኤል ስደተኛታት ንምቕያድ ወጢናቶ ዘላ መደብ ተቓውምኦም ንምስማዕ ኣብ ቀጽሪ ኤምባሲ እስራኤል ሰለማዊ ሰልፊ ኣካይዶም ክብል ዋይ ኔት ነውስ ሓቢሩ።
እቶም ኤርትራውያን ኣብቲ ኣብ ለንደን ዝርከብ ቀጽሪ ኤምባሲ እስራኤል ኣብ ዘካይድዎ ሰለማዊ ሰልፊ፣ እስራኤላውያን ካብ ዓሌታዊ ጽልኢ ተበጊሶም ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ዝፍጽምዎ ዘለዉ ግፍዕታትው ደው ከብሉ ዝጽውዕ ጭርሖታት’ውን ኣልዒሎም።
እቶም ሰልፈኛታት ብተወሳኺ ካብ ልዕሊ 2 ሽሕ ህዝቢ ዝተኣከበ ናይ ጥርዓን ፊርማታት ናብ ፕረዚደንት ሺምዖን ፔረዘን ቀዳማይ ሚኒስተር ቤንያሚን ናታንያሁን ንኸብጽሓሎም ናብቲ ኤምባሲ ከምዝልኣኽዎ’ውን እቲ ሓበሬታ ብተወሳኺ የመልክት።
ኣብ ኩሉ ኩርንዓት ዓለም ዝርከቡ ኤርትራውያን ኣንጻር እቲ መንግስቲ እስራኤል ኤርትራውያን በስገዳድ ናብ ኤርትራ ንምጥራዙም ወይ ድማ ንሰለስተ ዓመት ብዘይፍርዲ ንምቕያዶም ሓንጺጽዎ ዘሎ መደብ ተቓውሞታቶም ንምስማዕ ኣብ ኤምባሲታት እስራኤል ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ከካይድ’ውን ካብ እስራኤል ዝተወከስናዮም ወገናት ተማሕጺኖም።
ኣንጻር ስደተኛታት ሕሉፍ ጽልኢ ከምዘለዎ ዝንገረሉ ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት እስራኤል ኤሊ የህሻይ፣ ዝበዝሑ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ልዕሊ 40 ሽሕ ስደተኛታት ነናብ ሃገሮም ክጥረዙ ወይ ድማ ኣብ በረኻ ኣብ ዝተደኮነ መዓስከር ክቕየዱ ዝብል ሓሳብ ድሕሪ ምቕራቡ፣ ነቶም ስደተኛታት ንምግፋፍ ውጥን ይሕንጽጽ ከምዘሎ ዝፍለጥ’ዩ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0