ኣብይ ኣሕመድ ብዛዕባ ባሕሪ ይዛረብ: ልኡላውነት ይደፍር መንግስቲ ኤርትራ የጽቅጥ

Radio Erena: Monday, 16 October 2023

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድ ብዛዕባ ባሕሪ ብፍላይ ድማ ቀይሕ ባሕሪ ዝሃቦ መግለጺ ንሓያሎ ኤርትራውያን ከቖጥዕ እንከሎ ብመንግስቲ ኤርትራ ድማ ዛጊት ግብረመልሲ ኣይተዋህቦን::

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ብዛዕባ ማይ ዘድልን ዘየድልን ሳይንሳዊ መግለጺ ድሕሪ ምሃብ ፈለግ፣ ኣባይን ቀይሕ ባሕርን ንጥፍኣትን ልምዓትን ኢትዮጵያ ወሰንቲን መሰረታውያንን ከምዝኾኑ፣ ብዛዕባ ቀይሕ ባሕሪ ምዝርራብ ከም ዘድሊ ገሊጹ።

ናይ ባሕሪ ኣፍደገ ዋንነት ኩሉንትናዊ ኣረኣእያ ብዛዕባ ኤርትራ፣ ጅቡቲ፣ ሱዳን፣ ሶማልያ ምስ ቀይሕ ባሕርን ህንዳዊ ውቅያኖስን ዘለወን ሃፍደገ ክዛረብ እንከሎ፣ ኢትዮጵያ ብታሪኽ ይኹን ብተፈጥሮ ዋና ቀይሕ ባሕሪ ምኳና ገሊጹ።

ኣፍደገ ቀይሕ ባሕሪ ሓቲትና ምስ ኤርትራን ጅቡትን ከጋጭወና እዩ ዝብሉ ኣለዉ ዝበለ ኣቢይ፣ ኣብ 2030 ናብ 150 ሚልዮን ክዓርግ ትጽቢት ዝግበረሉ ህዝቢ ኢትዮጵያ ናይ ጆግራፊ እሱር ኮይኑ ሱቕ ክብል ከምዘይኮነ ክትኮስ ምኳኑ ኣጠንቂቑ።

ኢትዮጵያ ዘለዋ ምርጫ: ጅቡቲ: ኣዱሊስ: ምጽዋዕን ዓሰብን ከም ምርጫ ክውሰድ ከምዝከኣል ብዛዕባ’ዚ ህዝቢ ኣብ መጻኢ ከይፈንጠሶ ሕጂ ክዝረበሉ ከምዘለዎ ብዝተኻእለ መጠን ድማ ብሰለማዊ መገድን ሽምምዕን፣ ብፈደረሽንን ኮምፈደረሽንን ክኸውን ከምዝከኣል ተዛሪቡ።

ብዝሒ ህዝቢ ከም መፈራርሂ ዝሓዘ ኣቢይ ኣሕመድ ዝሃቦ መግለጺ፣ ዓለምለኻዊ ሕጊ ዝጥሕስ ኣብ ርእሲ ምኳኑ ንህዝቡ ድማ ጌጋ ርድኢት ዝህብ እዩ።

ነዚ ምጥሓስ ልኡላውነትን ኣዋጅ ኩናትን ዝኾነ መግለጺ ኣቢይ ኣሕመድ ሓያሎ ኤርትራውያን ክቃወምዎ እንከለዉ መንግስቲ ኤርትራ ግን ዝኾነ ግብረመልሲ ዘይምሃቡ ንብዙሓት ኣገሪሙ ኣሎ።

==============

COMMENTS

WORDPRESS: 0