‘ኣብዚ ሸውዓተ መዓልታት፣ ረዲኤት ዝጸዓና ልዕሊ ሓደ ሽሕ ዓበይቲ መካይን ናብ ትግራይ ኣትየን።’

Radio Erena: 08 June 2022

ኣብዚ ዝሓለፈ ሸውዓተ መዓልታት፣ ከም መግብ፣ መድሃኒታትን ካልእ መሰረታዊ ቀረባትን ዝርከቦ ህጹጽ ረዲኤት ዝጸዓና፣ ሓደ ሽሕን ሓደ ሚእትን (1100) መካይን ናብ ትግራይ ከምዝኣተዋ፣ ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣፍሊጡ።

እቲ ክፍሊ፣ ብ07 ሰነ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፣ ናብ ሰሜን ኢትዮጵያ፣ ክልላት ኣምሓራ፣ ዓፈርን ትግራይን፣ ብዘይዕንቅፋት ጀሚሩ ዘሎ ምብጻሕ ሰብኣዊ ሓገዛት፣ መንግስቲ ኣመሪካ ብሓጎስ ከምዝቕበሎ ኣረጋጊጹ።

መግለጺ ኣመሪካ ብተወሳኺ፣ እቲ ረዲኤት ብዘይዕንቕፋት ንኽበጽሕ፣ ኣበርክቶ ንዝገበሩ፣ ብፍላይ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ስበ ስልጣን ዓፈርን ትግራይን፣ ከምኡ ድማ ትካላት ሕቡራት ሃገራትን ኣመስጊኑ።

ንቐጻሊ፣ ጹጽ ረዲኤት ናብ ዘድልዮ ህዝቢ፣ ብተመሳሳሊ ብዘይዕንቕፋት ንምብጽጻሕ፣ ኩሎም ኣካላት ብኸምዚ ዝጀመርዎ ክቕጽሉን፣ ቀስ ብቐስ ድማ ናብ ዘተኣማማን ስምምዕ ምቑራጽ ተዅሲ ክስጉሙን፣ መንግስቲ ኣመሪካ ዘለዎ ተስፋ ገሊጹ።

ኣብ ሕዳር 2020፣ ኣብ ትግራይ ዝተወልዐ ኵናት፣ ናብ ክልላት ዓፈርን ኣምሓራን ልሒሙ፣ ብጠቕላላ ልዕሊ 7 ሚልዮን ህዝቢ ተጸባይ ረዲኤት ከምዝኸውን ጌርዎ ኣሎ።

=========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0