ኣብረርቲ ሓይሊ ኣየር ተቓውሞ ኣስሚዖም

ኣብረርቲ ሓይሊ ኣየር ኤርትራ፣ ንምሕደራ ኣዛዚ ሓይሊ ኣየር ሜጀር ጀነራል ተኽላይ ሃብተስላሴ ኣብ ኣኼባ ከምእተቓወምዎ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ካብ ኤርትራ ሓቢሮም።

    እቶም ምንጭታት ኣብ ዝልኣኹልና ሓብሬታ፣ ኣብቲ ንኣብረርትን ኣዘዝቲ ሓይሊ ኣየርን ጥራይ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተኻየደ ፍሉይ ኣኼባ፣ እቶም ኣብረርቲ መሰረታዊ ለውጥታት ኣብ ኣተሓሕዛን ምሕደራን ክግበር ድሕሪ ዘቕረብዎ ሕቶ፣ጀነራል ተኽላይ ኣብረርቲ ምዕዝምዛም ተስምዑ ኣለኹም ልዕሊ ሰብኩም ሓለፋ ኣይትጸበዩ ክብል መሊሱሎም።

    ናብቲ ኣብ ባጽዕ ዝርከብ ክፋል ሓይሊ ኣየር ዝተቐየሩ ኣብረርቲ፣ ብሕክምናን ካልእን እናመኻነዩ ንዝተዋህቦም ትእዛዝ ይነጽጉ ምህላዎም ዘረጋገጹ እቶም ምንጭታት፣ ጀነራል ተኽላይ ድማ እዚ ስራሕ ወትሃደር’ዩ ግበር ኣይይትግበር ስለዝኾነ ዝተዋህበኩም ትእዛዝ ትፍጽሙ፣ ካብ ሎሚ ንደሓር ባጽዕ ዝተመደበ ብዘይዝኾነ ምዕዝምዛም ክወርድ ኣለዎ እንተዘይኮይኑ ድማ ኣድላዩ ስጉምቲ ክውሰደሉ’ዩ ክብል ከምዘፋረረሐ ኣፍሊጦም።

    ኣዛዚ ሓይሊ ኣየር ነበር ብርጋዴር ጀነራል ሃብተጽዮን ሓድጉ ንምትእትታው ፕረዚደንት  ኣብ መዓልታዊ ንጥፈታት እቲ ሓይሊ ኣየር ብምቅዋሙ ኣብ ቀይዲ ካብ ዝኣቱ ንደሓር፣ ኣዛዚ ሓይሊ ኣየር ኮይኑ ዝተመዘዘ ሜጀር ጀነራል ተኽላይ ኣብረርቲ ዝርከብዎም ኣባላት ሓይሊ ኣየር ኤርትራ ተራ ወትሃደራዊ ታዕሊም፣ ክሳብ 40 ኪሎሜተር ዝበጽሕ ጉዕዞ እግሪ ከካይዱን ሰሙናዊ ኣብ ሕርሻውን ካልእ ማእቶትን ክዋፈሩ ብምግዳዱ፣ ብፍላይ ካብቶም ፓይሎታት ምዕዝምዛማት ክስማዕ ጸኒሑ’ዩ።

    ሓይሊ ኣየር ኤርትራ ብሰንኪ ካብ 2009 ኣትሒዙ ዝተነብረ እገዳ ባይቶ ጸጥታ፣ መቐያየሪ ኣቑሑ ክሽመት ኣብ ርእሲ ዘይምኽኣሉ፣ ኣብረርቲ ነፈርቲ’ውን ብቐጻሊ ሞራላዊ ውድቀት የጋጥሞም ብምህላዉ ኣብ ዝተሓተ ደረጅኡ ወዲቑ ከምዝርከብ’ዩ ዝግለጽ።

    ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ክልተ ምኩራት ኣብረቲ ናይ ኵናት ነፋሪት ብሓደጋ ክሞቱ እንከለዉ፣ ክልተ ብጾቶም ድማ ነፋሪት ሒዞም ኣብ ስዑዲ ዓረብ ዑቕባ ከምዝሓተቱ ኣይርሳዕን።

    ብጀነራል ተኽላይ ሃብተስላሴ ዝተመርሐ ልኡኽ መንግስቲ ኤርትራ ነታ ነፋሪት ካብ ስዑዲ ዓረብ ንምምላሳ ዝተገብረ ጻዕሪ ድማ ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ኣይተዓወተን።

COMMENTS

WORDPRESS: 0