ኣባል ባይቶ ሶማል ነበረ ብዝፈጸሞ ርእሰ ቅትለታዊ መጥቃዕቲ 13 ሰባት ተቀቲሎም

ኣባል ባይቶ ሶማል ነበረ ብዝፈጸሞ ርእሰ ቅትለታዊ መጥቃዕቲ 13 ሰባት ተቀቲሎም

Radio Erena: 28 July 2016

MP bomber

ኣባል ባይቶ ሶማል ነበረ ብዝፈጸሞ ርእሰ ቅትለታዊ መጥቃዕቲ 13 ሰባት ተቀቲሎም።

እቲ ብ”ባድባዶ” ዝፍለጥ ሳልሕ ኑሕ እስማዒል ዝተባህለ ወዲ 53 ዓመት ኣባል ባይቶ ሶማል ነበረ፣ ካብ ፓርላማ እታ ሃገር ኣብ 2010 ድሕሪ ምስሓቡ ምስ ኣልሸባብ ከምዝተጸንበረ’ዩ ዝንገረሉ።

ብሰሉስ 26 ሓምለ ኣብ ከተማ ሞቛድሾ ከባቢ መዓርፎ ነፈርቲ እታ ከተማ፣ ምስ ካልኣዩ ኣብ ዘካየድዎ ርእሰ ቅትለታዊ መጥቃዕቲ ከኣ ትሽዓተ ኣባላት ሕቡራት ሃገራትን 3 በርጌስን ከምዝተቐትሉ ማዕናት ዜና ካብታ ሃገር ሓቢሮም።

 

ኣልሸባብ ኣብዘን ዝሓለፋ ክልተ ኣዋርሕ፣ ኣብ ልዕሊ ዒላማታት ፈደራላዊ መንግስትን ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ሕቡራት ሃገራትን ተደጋጋሚ መጥቃዕታት ከካይድ ይርአ ኣሎ።

==========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0