ኣባላት ፓርላማ ጀርመን፣ ኤርትራውያን ተዓቝቦምሉ ኣብ ዘለው መዓስከር ሸገራብ በጺሖም

Radio Erena: 18 October 2016

Shja

ኣርባዕተ ኣባላት ፓርላማ ጀርመን፣ ናብቲ ኣውራ መሰጋገሪ ስደተኛታት ዝኾነ ዞባ ከሰላ ዑደት ኣካይዶም።

ንሳቶም ኣብቲ ናይ ዞባ ከሰላ ዑደቶም፣ ኣብቲ መብዛሕቶም ዜጋታት ኤርትራ ዝኾኑ 35 ሽሕ ስደተኛታት ተዓቝቦምሉ ዘለዉ መዓስከር ሸገራብ በጺሖም።

ዕላማ ዑደት እዞም ኣባላት ፓርላማ፣ መቐጸልታ ናይቲ ስደተኛታት ብቀዳማይ ደረጃ ዝሰጋገሩለን ሃገራት ናይ ልምዓት መደባት ብምትእትታው፣ ዋሕዚ ስደተኛታት ንምግታእ ይከኣል’ዩ ንዝብል ፖሊሲ መንግስቲ ጀርመን ኣብ ግብሪ ንምውዓል’ዩ።

ኣባላት ፓርላማ ጀርመን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፣ ኣብ ዞባ ከሰላ ኣብ ዘካየድዎ ዑደት፣ ኣብቲ ዞባ ብዝርከቡ ሓለፍቲ ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት፣ ውድብ መግቢ ዓለምን ባንኪ ዓለምን ከምዘሰነይዎም ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ኣብ ዞባ ከሰላን ከባቢታት ወደልሒሉን ኣብ ዝርከባ ሽዱሽተ መዓስከራት ስደተኛታት ኣስታት 100 ሽሕ ስደተኛታት ከምዘለዉ ጸብጻባት ሕቡራት ሃገራት የመልክቱ።

እቲ መዓስከር፣ ውሑስ ጸጥታ ኣብ ርእሲ ዘይምህላዉ፣ ናብ ሳልሳይ ሃገር ዝካየድ ናይ ምጥያስ መስርሕ ይኹን ካልእ ንስደተኛታት ተስፋ ዝህብ ንጥፈታት ብዘይምህላዉ፣ መብዛሕቶም ስደተኛታት ነቲ መዓስር እናራሕርሑ፣ ብመንገዲ ሊብያን ማእከላይ ባሕሪን ናብ ሃገራት ኤውሮጳ ይውሕዙ ኣለዉ።

መንግስቲ ጀርመን ነዚ ዋሕዚ’ዚ ንምግታእ ምስ መንግስቲ ኤርትራ፣ ሱዳንን ኢትዮጵያን ተደጋጋሚ ዝርርባት ተካይድ ከምዘላ ይፍለጥ።

==============================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0