ኣባላት ጸጥታ መንግስቲ ኤርትራ፣ ሓደ ፓይሎት ዝርከቦም ሓያሎ ኣባላት ሓይሊ ኣየር ኤርትራ ኣሲሮም

ኣባላት ጸጥታ መንግስቲ ኤርትራ፣ ሓደ ፓይሎት ዝርከቦም ሓያሎ ኣባላት ሓይሊ ኣየር ኤርትራ ኣሲሮም

Radio Erena: 30 December 2013

Eraf 3

 ኣባላት ጸጥታ መንግስቲ ኤርትራ፣ ሓደ ፓይሎት ዝርከቦም ሓያሎ ኣባላት ሓይሊ ኣየር ኤርትራ ኣብ ቀይዲ ከምዘእተዉ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ሓቢሮም።

እቶም ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ከካብ ገዝኦም ዝተወስዱ ኣባላት ሓይሊ ኣየር ኤርትራ፣ ካብ ተለንተ ክሳብ ናይ ካፕቴን ማዕረግ ዘለዎም ኮይኖም፣ ሓደ ካብኣቶም ካፕቴን ሃብቶም ዝተባህለ ኣብራሪ ነፋሪት ምዃኑ ክፍለጥ ተኻኢሉ።

ካብ ዝሓለፈ ዓመት ኣትሒዙ ኣብ ሓይሊ ኣየር ኤርትራ ዝተራእየ ነፈርቲ ሒዝካ ህድማ ኣብረርትን ንሱ ዝፈጠሮን ጽልዋ; ጠንቒ ምእሳር ናይዞም ሓያሎ ኣባላት ሓይሊ ኣየር ኤርትራ ክኸውን ከምዝኽእል እቶም ምንጭታት ብተወሳኺ ኣረዲኦም።

ኣብ ሓይሊ ኣየር፣ ኣውራ መዛረቢ ዛዕባ ኮይኑ ዘሎ፣ ነፈርቲ ሒዞም ናብ ስዑዲ ዓረብ ዝሃድሙ ዘለዉ ኣብረርቲ ኮይኑ፣ ኣባላት ሓይሊ ኣየር’ውን ክመጽኦም ካብ ዝክእል ሳዕቤን ካብ ምስጋእ ብግሁድ ከዕልልሉን ርእይቶ ክህብሉን እኳ እንተዘይክኣሉ፣ ብትሒም ትሒምን ምስ ዘዝቐርብዎም ግና ብዛዕባ’ዚ ኣብ ሓይሊ ኣየር ስምብራት ገዲፉ ዘሎ ኩነታት ካብ ምዝራብ ከምዘየዕረፉ እቲ ዝበጽሓና ሓበሬታ ኣረዲኡ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ ሃብቶም ካሕሳይ ዝተባህለ ፓይሎት ሓይሊ ኣየር ኤርትራ ኣብ ጅቡቲ ዑቕባ ከምዝሓተተ ይግለጽ ኣሎ።

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0