ኣብ ደቡብ ሱዳን ኣብ በኒቱ ተዓጊቶም ዝጸንሑ ዜጋታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ብሓገዝ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብሄሊክፕተራት ናብ ከተማ ጁባ ግዒዞም

Radio Erena: December 30, 2013

 

ኣብ ደቡብ ሱዳን ኣብ ዩኒቲ ስቴት ኣብ በንቱ ኣብ ቀጽሪ ቤት ጽሕፈት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ተዓቝቦም ዝጽጸንሑ ዜጋታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ብሓገዝ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብሄሊክፕተራት ናብ ከታም ጁባ ከምዝገዓዙ ተሓቢሩ።

እንተኾነ ሓያሎ ካልኦት ኣብ ከተማታት ቦርን ማላካን ገና ህጹጽ ፍታሕ ይጽበዩ ከምዘለዉ ካብ ደቡብ ሱዳን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የመልክት።

 

ደቡብ ሱዳን ኣብ መንጎ ተቓወምትን መንግስቲ ናይ ተኵሲ ምቁራጽ ስምምዕ ንኽትግበር ጻዕርታት ይካየድ እኳ እንተሎ፣ እታ ሃገር ናብ ምሉእ ኵናት ሓድሕድ ከይትሽመም ገና ኣብ ተኣፋፊ ኩነታት’ያ ትርከብ።
==============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0