ኣባላት ጸጥታ፣ በዓልቲ ቤት ሚኒስተር ፋይናንስ ነበር ኣቶ ብርሃነ ኣብርሀ ኣሲሮም

ኣባላት ጸጥታ፣ በዓልቲ ቤት ሚኒስተር ፋይናንስ ነበር ኣቶ ብርሃነ ኣብርሀ ኣሲሮም

Radio Erena: 14 February 2018

Berhane Abrehe

ኣባላት ጸጥታ መንግስቲ ኤርትራ፣ ኣልማዝ ሃብተማርያም ንዝተባህለት በዓልቲ ቤት ናይቲ ኣብዚ እዋን’ዚ ደስኪሉ ዝርከብ ሚኒስተር ፋይንናስ ነበር ኣቶ ብርሃነ ኣብርሀ ከምዝኣሰሩዋ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ኣረጋጊጾም።

ወይዘሮ ኣልማዝ ሃብተማርያም ካብ ዝሓለፈ ሰለስተ ሰሙን ኣትሒዛ ኣብ ቀይዲ ከምእትርከብ ዝሓበሩ እቶም ምንጭታት፣ ኣባላት ጸጥታ፣ ምስቲ ሚኒስተር ነበር ቅርበት ንዘለዎም ሰባትን ምስመን ይራኸብ ምህላዎን ብቀረባ ይከታተሉ ከምዘለዉ ኣረዲኦም።

እዚ ኣባላት ጸጥታ ኣብ ልዕሊ ተጋዳሊት ነበር ኣልማዝ ወሲዶሞ ዘለዉ ናይ ምእሳር ስጉምቲ፣ ከም መቐጸልታ ናይቲ ኣብ ልዕሊ ዝተፈልየ ኣረኣእያ ዘለዎም ወይ ድማ ንኣሰራርሓ እቲ መንግስቲ ንዝቓወሙ ዜጋታትን ስድራቤታቶምን ናይ ምርዓድን ምፍርራሕን ኣገባብ ምዃኑ ይግለጽ።

ኣብ ኤርትራ ብኸምዚ ዘይሕጋዊ ኣገባብ ዝተኣስሩ ኣማኢት ዜጋታት ከምዘለዉ ሰነዳት ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት የረጋግጹ።

ሚኒስተር ፋይንናስ ነበር ኣቶ ብርሃነ ኣብርሀ፣ ኣብ ጉዳያት ኣተሓሕዛ ኣታዊታትን ከም ዕደና ዝኣመሰለ ሃብቲ ሃገርን ብዝምልከት ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዝተፈልየ ኣረኣእያ ከምዝነበሮ ዝጠቕሱ እቶም ምንጭታት ብተወሳኺ፣ ካብ 2012 ካብ ስልጣኑ ከምዝተኣልየ የመልክቱ።

ካብዚ ዝተጠቕሰ ዓመት ንደሓር ሚኒስትሪ ፋይናንስ ብጠቕላሊ ኦዲተር መንግስቲ ነበር ኣቶ ብርሃነ ሃብተማርያም ተተኪኡ ይርከብ።

ደስኪሉ ዝርከብ ኣቶ ብርሃነ ኣብርሀ ድማ ንሕክምና ይኹን ካልእምኽንያታት ካብ ሃገር ከይወጹ ካብ ዝተኣገዱ ዜጋታት ምዃኑ ኣቐዲሙ ከምዝተጠቕሰ ኣይርሳዕን።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0