ኢትዮጵያ፣ ኣብ ከተማ ሃረር ኣብ ዝተወልዐ ግጭት ብውሕዱ ኣርባዕተ ሰባት ተቐቲሎም

ኢትዮጵያ፣ ኣብ ከተማ ሃረር ኣብ ዝተወልዐ ግጭት ብውሕዱ ኣርባዕተ ሰባት ተቐቲሎም

Radio Erena: 14 February 2018

Ethio protest

ካብ ክልል ሶማል ተፈናቒሎም ኣብ ከተማ ሃረር ተዓቝቦም ካብ ዘለዉ ተወላዶ ኦሮሞ ምስ ሓይልታት ጸጥታ ኢትዮጵያ ብዘካየድዎ ግጭት ብውሕዱ ኣርባዕተ ሰባት ከምዝተቐትሉ ምንጭታት ዜና ካብቲ ከባቢ ሓቢሮም።

በቲ ግጭት ሓይሎ ሰባት ቆሲሎም ከምዘለው ክፍለጥ ተኻኢሉ።

ኣብቲ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ መንጎ ብሄራት ሶማልን ኦሮምን ድሕሪ ዝተኻየደ ግጭት፣ ካብ መነባብርኦምዝ ተፈናቐሉ ኣስታት 4 ሽሕ ሰባት ኣብ፣ ኣብ ከተማ ሃረር፣ ግዝያዊ መዓስከር ሃመሬሳ ተዓቝቦም ከምዘለዉ ዝሓበረት ጋዜጣ ዘ ሪፖርተር ካብ ኣዲስ ኣበባ ብወገና፣ ኣብቲ ብ12 ለካቲት ዝተኻየደ ግጭት፣ ሰለስተ መንእሰያትን ሓደ ኣባል ፖሊስን ከምዝተቐትሉ ኣረጋጊጻ ኣላ።

ኢትዮጵያ፣ ብኹሉ ሸነኻት እታ ሃገር ጸጸኒሑ ዝነቱግ ዘሎ ግጭታት፣ ኣብዚ እዋን እዚ ሓደ ካብ ዓበይቲ ጸጥታዊ ስግኣታት ኮይኑ ይርከብ።

========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0