ኣባላት ባይቶ ሶማል፣ ንፕረዚደንት ካብ ስልጣን ንምእላይ ዘቕረብዎ እማመ ደገፍ ኣይረኸበን

ኣባላት ባይቶ ሶማል፣ ንፕረዚደንት ካብ ስልጣን ንምእላይ ዘቕረብዎ እማመ ደገፍ ኣይረኸበን

Radio Erena: 12 December 2018

Somalia Parliament

ኣባላት ባይቶ ሶማል፣ ፕረዚደንት እታ ሃገር ካብስልጣኑ ክእለ ዘቕረብዎ እማመ፣ ደገፍ ከምዘይረኸበ ተገሊጹ።

ካብቶም ኣቐዲሞም ነቲ እማመ ዘቕረቡ 92 ኣባላት ባይቶ ሶማል እቶም 14 ስለዝሓቡ ደገፍ ክረክብ ከምዘይክኣለ’ዩ ዝግለጽ ዘሎ።

ባይቶ ሶማል ብዝሃቦ መግለጺ ድማ፣ እቶም ስሒቦም ዝብሃሉ ዘለዉ 14 ኣባላት ብጌጋ ኣስማቶም ዝሰፈረ ድኣ’ምበር ነቲ እማመ ካብ መጀመርያ ከምዘይደገፉ ይጠቕስ።

እቶም ኣባላት ባይቶ ሶማል፣ እቲ ፕረዚደንት ምስ መራሕቲ ኤርትራን ኢትዮጵያን ምስጢራዊ ስምምዓት ብምኽታሙ፣ ካብ ስልጣኑ ክእለ ዝጠለብ እማመ ብሰንበት 9 ታሕሳስ ናብ ኣፈኛ ባይቶ ከምዘቕረቡ ይፍለጥ።

ንሳቶም ነዚ እማመ ዘቕረቡ፣ እቲ ፕረዚደንት ምስ ሃገራዊ ባይቶን ህዝቢን ከይመኸረ፣ ምስ መራሕቲ ኤርትራን ኢትዮጵያን ምስጢራዊ ስምምዓት ብምኽታሙ’ዩ።

ድሕሪ’ዚ ኣባላት ባይቶ ዘቕረቦ እማመ፣ ኣንጻር እቲ ፕረዚደንት ዝቐንዐ ሰለማዊ ሰልፍታት ኣብ ከተማ ሞቛድሾ ከምዝተኻየደ ዝተፈላለዩ ማሕበራዊ ሜድያታት ካብታ ከተማ ሓቢሮም።

ብመሰረት ቅዋም ሶማል፣ ባይቶ ሶማል 275 ኣባላት ዘለዎ ኮይኑ፣ እቲ እማመ ናብ ዘተ ክቐረብ ሓደ ሲሶ ካብ ኣባላት’ቲ ባይቶ ክድግፍዎ ኣለዎም።

እቲ እማመ ትግባራዊ ክኸውን ድማ ባይቶ ኣብ ዘካይዶ ድምጺ ናይ ምሃብ መስርሕ ዓብላሊ ድምጺ ክረክብ የድሊ።

=================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0