ኣባላት ሰራዊት ኤርትራ፣ ሒዞሞ ዘለው ሞባይል ቴሌፎናት ከረክቡ ይሕተቱ

Radio Erena: 19 October 2016

Tele

ኣባላት ኣሃዱታት ሰራዊት ኤርትራ፣ ሒዞም ዘለዉ ተንቀሳቓሲ ቴሌፎናት ከረክቡ ብተደጋጋሚ ይሕተቱ ምህላዎም ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ሓቢሮም።

ብመሰረት መንግስቲ ዘውጽኦ ኣዋጅ፣ ኣባላት ሰራዊት ሞባይል ቴልፎን ክውንኑ ካብ ፈለምኡ ዘይፍቀድ እኳ እንተኾነ፣ ብስም ስድራቤታቶምን ካልእ ምኽንያታትን ሞባይል ዝወነኑ ግና ብዙሓት’ዮም።

እቲ መንግስቲ፣ ኣባላት ሰራዊት ሒዞሞ ዘለዉ ተንቀሳቕሲ ቴሌፎናት ከረክቡ በብእዋኑ ክሓቶም እኳ እንተጸንሐ፣ ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ዕቱብ ስጉምቲ ከይወሰደሉ’ዩ ጸኒሑ።

ኣብዚ እዋን’ዚ ግና፣ ሞባልይ ቴሌፎን ሒዙ ንዝተረኽበ ኣባል ሰራዊት ብኸቢድ ክቕጻዕ ምዃኑ የፈራርሕ ኣሎ።

ብኣገልግሎት ቴሌኮሚኒኬሽን ኤርትራ- ኤሪቴል ጥራይ ዝተባሕተ ናይ ሞባይል ሲም ካርድ፣ ናይ ኢንተርነት ኣገክልግሎት ዘይብሉ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፣ ናብ ወጻኢ ናይ ጽሑፍ መልእኽታት ንምትሕልላፍ’ውን ኣየፈቅድን።

ኤርትራ፣ ሓንቲ ካብተን ዝወሓደ ተጠቃሚ ኣገልግሎት ሞባልይ ቴሌፎንን ኢንተርነትን ዘለወን ሃገራት ዓለም ምዃና ይፍለጥ።

ካብዚ ቀረባ እዋን ኣትሒዙ’ውን፣ ካፈታት ኢንተርነት ንዓማዊል ምሉእ ስምእን መንነትን ክምዝገባ ከምዝተገደዳ ምንቅስቓስ ዓርቢ ሓርነት፣ ኣብ ኣስመራ ዝተሳእለ ቪድዮ ኣሰንዩ ኣብ ዘቕረቦ ሓበሬታ ኣረጋጊጹ።
=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0