ኢጣልያ፣ ኣብ ዚምባብዌ ዝነበረ ኣምባሳደራ ናብ ኤርትራ መዲባ

Radio Erena: 20 October 2016

Italian Emabbsy

ኢጣልያ፣ ካብ 16 ጥቅምቲ ኣትሒዛ ሓድሽ ኣምባሳደር ኣብ ኤርትራ መዚዛ።

ሓዲሽ ተመዚዙ ዘሎ ኢጣልያዊ ዲፕሎማሰኛ ስቴፋኖ ሞስካተሊ፣ ኣቐዲሙ ኣምባሳደር መንግስቲ ኢጣልያ ኣብ ዚምባብዌ ዝነበረ’ዩ።

እዚ ተመዚዙ ዘሎ ሓድሽ ኣምባሳደር ኣብ ምግታእ ዋሕዚ ስደተኛታት ኤርትራ ናብ ኢጣልያ ብዝምልከት ብደረጃ ሃገርን ሕብረት ኤውሮጳን ንዝተሓንጸጹ መደባት ኣብ ምዕዋት ክሰርሕ ትጽቢት ተነቢርሉ ኣሎ።

መብዛሕትአን ሃገራት ኤውሮጳ ኣብ ኤርትራ ዝርከቡ ብዝሒ ኣባላት ኤምባሲታተን ከጉድላን፣ ኣብ ሓደ ህንጻ ክጥርነፋን የን ዝርኣያ ዘለዋ።

ካብ ሃገራት ኤውሮጳ ብደረጃ ኤምባሲ ኣብ ኤርትራ ዝሓሸ ንጥፈታት ዘለዋ ኢጣልያ ክትከውን’ያ።

ኣቐዲሙ፣ ኤምባሲ ፈረንሳ ብዝሒ ኣባላቱ ብምቕናስ፣ ዝነበሮ ህንጻ ሓዲጉ ምስ ናይ ጀርመን ኤምባሲ ኣብ ሓደ ህንጻ ከምዝተጠቕለለ ይፍለጥ።

ነርወይ ካብ 2013 ኣትሒዛ ኤምባሲኣ ጠቕሊላ ክትዓጹ እንከላ፣ ዝበዝሓ ሃገራት ከኣ ብደረጃ ተንቀሳቓሲ ኣምባሳደር እንተዘይኮይኑ፣ ቀዋሚ ኤምባሲታት የብለንን።

ኤርትራ ንኣስታት 20 ዓመታት ካብ ዞባውን ኣህጉራውን ዲፕሎማስያዊን ንጥፈታት ተነጺላ ብምጽንሓ፣ ኣስመራ ቀዋሚ መደበሮም ዝገበሩ ኣምባሳደራት ዘለወን ሃገራት 17 ጥራይ ክኾኑ እንከለዉ፣ ካብ ሃገራት ኤውሮጳ ፈረንሳ፣ ጀርመን፣ ኢጣልያን ብሪጣንያን ጥራይ’የን።

45 ኣምባሳደራት ከኣ፣ ኣብ ካርቱም፣ ካይሮ፣ ናይሮቢን ካልኦት ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ዝርከባ ከተማታት መንበሮም ዝገበሩ ተንቀሳቐስቲ ኣምባሳደራት ኣብ ኤርትራ ከምዘለዉ ዲፕሎማስያውያን ምንጭታት ይሕብሩ።

ሓሙሽተ ካብተን ኣብ ኤርትራ ቀወምቲ ኣምባሳደራት ዘይብለን ሃገራት፣ ኣብ ኣስመራ ናይ ክብሪ ቆንስል ዘለወን’የን።

========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0