ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ፣ ብዋሕዲ መሻርፍን ብልሽውና ኣዘዝትን የማርሩ

ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ፣ ብዋሕዲ መሻርፍን ብልሽውና ኣዘዝትን የማርሩ

Radio Erena: 13 October 2017

eritrean soldieres

ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ኣብ ዝልኣኽዎ ሓበሬታ፣ ኣባላት ሰራዊት ክኹብሉሉን ናብ ስደት ክውሕዙን ኣብዚ ዝሓለፈ 10 ዓመታት ግኑን ተርእዮ ምዃኑ ዝሓበሩ እቶም ምንጭታት፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ከኣ ብዝበኣሰ፣ ብልሽው ምሕደራን ዋሕዲ መሻርፍን ኣውራ ዘዛርብ ዘሎ ጉዳይ ምዃኑ ኣስሚሮም።

እቶም ምንጭታት ብፍላይ ኣብዘን ዝሓለፋ ክልተ ዓመታት፣ ኣቐዲሙ ክርአ ዝጸንሐ ዋሕዲ መሻርፍ፣ ብኢሱ ምህላዉ ብምጥቃስ፣ ብፍላይ እቶም ቅድሚ ናብ ምዱብ ሰራዊት ምውዝዖም ኣብ ማእቶት ምህናጽ ዲጋታት ዝወረዱ ዙርያታት 29ን 30ን ብኸቢድ ከምዝተጸልዉ ኣረዲኦም።

መንግስቲ ኤርትራ፣ ደሞዝ ኣባላት ሰራዊት ካብ ዝሓለፈ ዓመት ኣትሒዙ ብዝተዓጻጸፈ ሚእታዊት ወሲኹ’ዩ ክብል እኳ እንተሓበረ፣ ብግብሪ ግና ብግዴታ ተታሒዙ ዘሎ ዝበዝሐ ክፋል ሰራዊት ብመነባብሮ ስድራቤት ክጭነቕን፣ ኣብ ኣሃዱታቱ ድማ ብዋሕዲ መሻርፍ ክሳቐ ይርአ ከምዘሎ’ዩ ዝግለጽ።

በንጻር እዚ ኣዘዝቲ ሰራዊት፣ ኣብ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂሰብ፣ ዘይሕጋዊ ንግዲ -ኮንትሮባንዳ፣ መሸጣ ንሰራዊት ዝተሰለዐ መሻርፍ፣ ኣብ መሸጣ’ቲ ብስም ኣሃዱታት ዝካየድ ናይ ጀራዲን ምርባሕ ጠለ በጊዕን ኣብ ብልሽውና ተጸሚዶም ምህላዎም’ዮም ዝውቀሱ።

መብዛሕቶም እቶም ኣብ ኣዘዝቲ ሰራዊት መንግስቲ ካብ ህዝቢ መንዚዑ ኣብ ዝዓደሎም ናይ መንግስቲ ኣባይቲ ወይ ከኣ ብጉልበት ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣብ ዝተሃንጸ ሓደስቲ ኣባይቲ ዝነብሩ ምስ ምዃኖም፣ ንመብዛሕቶም እቶም ስድራቤታቶም ኣብ ከተማታት ዝነብሩ ኣባላት ሰራዊት ከቢድ ጾር ናብራ ኮይንዎም ዘለዎ ቅጥዒ ዘይብሉ ፋሉል ዝኸደ ዋጋ ክራይ ናይ ብሕቲ ኣባይቲ ኣይምልከቶም’ዩ።

ኣባላት ሰራዊት፣ ናይ ግዜ ገደብ ዘይብሉ ሃገራዊ ኣገልግሎትን ምስኡ ተቛሪኑ ዝመጸ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላትን ኣብ ዝባኖም እናሃለወ፣ ብሕሰም መነባብሮን ብልሽውና ኣዘዝቶምን ብቐጻሊ ከምዘማርሩ ይፍለጥ።

==============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0