ኣቡነ መቃርዮስ ኣብ ክፉት ቤት ማእሰርቲ ኾሎት ንዝርከቡ ኤርትራውያን በጺሖም

Radio Erena: 06 October 2016

Abune Mekar

ሓደ ካብ መስራቲ ሲኖዶስ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ኤርትራ ኣብ ሴሜን ኣመሪካ  ዝኾኑ ኣቡነ መቃርዮስ፣ ኣብ እስራኤል ኣብ ኾሎት ተኣሲሮም ንዝርከቡ ኤርትራውያን በጺሖም።

ኣቡነ መቃርዮስ ኣብቲ ብ29 መስከረም ዘካየድዎ ምብጻሕ፣ ንእሱራት ድሕሪ ምጽንናዕ፣ ኣብ ህሉው ኩነታት ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተክርስትያን ዘተኮረ ኣስተምህሮ’ውን ሂቦም።

ኣብቲ ብክፉት ቤት ማእሰርቲ ዝፍለጥ ኾሎት፣ መብዛሕትኦም ኤርትራውያን ዝኾኑ ኣስታት 3 ሽሕ እሱራት ኣለዉ።

ንምትእትታው መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ቤተክርስትያን ብግሁድ ካብ ዝቃወሙ ኣቦታት ዝኾኑ ኣቡነ መቃርዮስ፣ ብዘይካ’ቲ ኣብ ኾሎት ንዝርከቡ እሱራት ዘካየድዎ ምብጻሕን ምጽንናዕን፣ ኣብ ከተማ ቴልኣቪቭ ምስ ዝርከቡ ኤርትራውያን’ውን ዘትዮም።

86 ዓመት ዝዕድሚኦም ኣቡነ መቃርዮስ፣  ናይ መጀመርታ ኣፍሪቃዊ ምሁር ስነ-መለኮት (ቲኦሎጂ) ኣብ ርእሲ ምዃኖም፣ ኣብ ግብጺ’ውን ናይ መጀመርታ ዘይግብጻዊ ጳጳስን ኣባል ሲኖዶስን ብምዃን ዘገልገሉ ኤርትራዊ  ኣቦ ምዃኖም መዛግብቲ ታሪኾም ይጠቅስ።

ብዘይካ’ዚ’ውን ኣቡነ መቃርዮስ፣  ቋንቋታት እብራይስጥ፣ ጽርኢ (ግሪኽ) ፡ እንግሊዝ፡ ዓረብ፡ ኮብቲክ፡ ኣምሓርኛ፡ ግእዝ፡ ጣልያንን ጀርመንን ከምዝመልኩ ብቐረባ ዝፈልጥዎም ኣባ ሰመረ ይገልጹ።

ኣቡነ መቃርዮስ፣ ነቲ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ኤርትራ፡ ዘካየዶ ምትእትታውን በደልን፡ ብዓውታ ክግስጹን ክነቕፉን ዝጸንሑ ኮይኖም፣ ካብ ምትእትታው እቲ መንግስቲ ናጻ ዝኾነ ሲኖዶስ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ኤርትራ ኣብ ሴሜን ኣመሪካ ካብ ዝመስረቱ ኣቦታት’ዮም።

ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተክርስትያን ኤርትራ ብሰንኪ ምትእትታው መንግስቲ ኣብ ክልተ ተገሚዓ ከምዘላ ይፍለጥ።

ኣብ እስራኤል እትርከብ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስትያን ኤርትራ፣ ልክዕ ከምተን ኣብ ካልኦት ሃገራት ዝርከባ ኣሓታ ኣብያተ ክርስትያን፣ ኣብ ክልተ’ያ ተመቒላ ዘላ።

ብእንዳማርያም እትጽዋዕ ቤተ ክርስትያን ንምትእትታው መንግስቲ ኣብታ ቤተ ክርስትያን እትቃወምን፣ ንኣቡነ እንጠንዮስ ከም ወግዓዊ ፓትርያርክ ናይታ ቤተክርስትያን ኣፍልጦ እትህብን ክትከውን እንከላ፣ ብእንዳሚካኤል እትጽዋዕ ካልእ ቤተክርስትያን’ውን፣ ብኤምባሲ ኤርትራ ኣብ እስራኤል ብዝሕረዩ ካህናት እትመሓደርን ብሕርያ መንግስቲ ኤርትራ ፓትርያርክ ብዝነበሩ ኣቡነ ዲዮስቆሮስ እትእዘዝን’ያ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሓት ካብዛ ብኤምባሲ ኤርትራ ኣብ እስራኤል እትድገፍ ቤተክርስትያን እንዳሚካኤል ዝተወከሉ ካህናት፣ ኣብ ኾሎት ብምብጻሕ ምስ ኤርትራውያን እሱራት ንምዝርራብ ዘካየድዎ ፈተነ፣ ብተቓውሞ እቶም እሱራት ከምዝፈሸለ ኣይርሳዕን።

================================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0