ሑቲ፣ ንኤርትራ ኣብ ዘዋስን መጻብቦ ባብ ኤልመንደብ፣ ኣብ ዘጥቅዓ መርከብ ሓያሎ ሰራሕተኛታት ከምዝቖሰሉ ሚ/ጉ/ወጻኢ ኢማራት ተኣሚኑ

Radio Erena: 06 October 2016

HSV

ሓያሎ ሰራሕተኛታት ናይታ ሑቲ፣ ንኤርትራ ቅርበት ኣብ ዘለዎ ክሊ ማይ ባብ ኤልመንደብ  ዘጥቅዓ ናይ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ መርከብ፣  ጉድኣት ከምዝበጽሖም ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢማራት ኣፍሊጡ።

እታ HSV-2 ዝዓይነታ መርከብ፣ ካብ ሓይሊ ባሕሪ ኣመሪካ ዝተዓደገት ምዃና ዝተኣመነ እቲ ሚኒስትሪ፣ ኣብ ናብ ቀዳም  1 ጥቅምቲ ኣብ ዘውግሐ ለይቲ ብሑቲ ዝተጠቕዐትሉ እዋን ግና፣ ኣብ ሲቪላዊ ናይ ሓገዝ ኣገልግሎት ተዋፊራ ምንባራ ጠቒሱ።

በቲ መጥቃዕቲ ጉድኣት በጺሕዎም ዘሎ ሰራሕተኛታት እታ መርከብ ከኣ ሲቪል ወይ በርጌስ ምዃኖም ዝሓበረ እቲ ሚኒስትሪ፣ ብዝሖም ይኹን ዝወረዶም ዓይነት ጉድኣት ኣይነጸረን።

እታ መርከብ ኣብ ዝተጠቕዓትሉ እዋን፣ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ኣብ ሰብ ዝበጽሐ ጉድኣት ከምዘየለ’ዩ ክገልጽ ጸኒሑ።
 ኣመሪካ፣ ነታ ካብ ሑቲ መጥቃዕቲ ዝወረዳ መርከብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ንምሕጋዝ ናብቲ ንኤርትራ፣ ጅቡትን የመንን ዘዋስን ክሊ ባብ ኤልመንደብ መራኽባ ልኢኻ’ያ።

 እንተኾነ እታ ናብ ዓደን ተምርሕ ዝነበረት መርከብ፣ በቲ ዝወረዳ መጥቃዕቲ ምሉእ ብምሉእ ከምዝዓነወት ካብ የመን ዝተመሓላለፈ ዜና የረጋግጽ።

ሲቪላዊ ሓገዝ ዝጸዓነት’ያ ክትብል ሕቡራት ኢማራት ዓረብ እትገልጻ ዘላ መርከብ፣ ኣብ እዋን’ቲ መጥቃዕቲ ዝተበገሰትሉ ቦታ ዛጊት ኣይተሓበረን።

ንወደብ ዓሰብ ንሎጂስቲካውን ወትሃደራውን ኣገልግሎታት እትጥቀመሉ ዘላ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ መራኽባ ካብ ዓሰብ ናብ ዓደን ብቐጻሊ ይመላለሳ ምህላወን ይፍለጥ።
===============================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0