ኣስመራ፣ ጸልማት ተጎልቢብካ ዝካየድ ክትራንን ስርቅን ሳዕሪሩ

Radio Erena: 26 Septemner 2022

ኣብ ኣስመራ፣ ጸልማት ተጎልቢብካ ዝካየድ ክትራንን ስርቅን ሳዕሪሩ።

ነታ ከተማ ጎሎቢቡዋ ዘሎ ጸላም ተጠቒሞም፣ ኣብ ጽምዋ ቦታታት ክትራን ሰባትን ብለይቲ ገዛውቲ ብምእታው ዝካየድ ስርቂን ግኑን ኮይኑ ምህላዎ ምንጭታት ራድዮ ኤረና ኣረጋጊጾም።

መዓልታዊ ዝፍጸም ክትራን፣ ዝምታን ስርቅን ዝምዝግብ ዘሎ መደባርት ፖሊስ፣ ምስ ምምሕዳር ከባቢታት ኣስመራ ብምዃን ህዝቢ ከከባቢኡ ክሕሉን ንኸምዚ ዝኣመሰለ ገበናት ብንቕሓት ክከታተልን ኣኼባታት ብምውዳብ ለበዋታት ኣብ ምሕላፍ ይርከብ።

ኣብ ኣስመራን ካልኦት ከተማታት ኤርትራን፣ መሰረታዊ ኣገልግሎታት ኤሌክትሪክን ማይን ህላውነቱ ናባ ዜሮ ወሪድሉ ኣብ ዘሎ እዋን፣ ብመነባብሮ ሕሰም ዝሳቐ ዘሎ ህዝቢ ብተወሳኺ ‘ውን ግዳይ ስርቂን ክትራንን ምዃኑ ዘሕዝን ክስተት ምዃኑ እቶም ምንጭታት ኣመልኪቶም፣

እቶም ምንጭታት ብተወሳኺ፣ መንእሰያት ካብ ውትህድርናን ስደትን ካልእ ኣማራጺ ኣብ ዘይብሉ ናብራን ጸልማት መጻኢን፣ ንገበናት ክቃልዑ ንቡር ምዃኑ’ዮም ኣረዲኦም።

ሓድጊ መግዛእቲ ኢጣልያ ኣብ ዝኾነት ውቅብትን ምቹእ ኩነታት ኣየር እትውንን ኣስመራ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ዘሎ ሃዋሁ ኵናት፣ ግፋ መንእሰያትን ሕሰም መነባብሮን ተደማሚሩ፣ ንኽትነብራ ተባህርር ከተማ ኮይና ምህላዋ ‘ዮም ሓያሎ ነበርታ ዝጠቒሱ።

ስእሊ፦ ኣስመራ ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት

========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0