ኣስመራ፣ ገንዘብ ዝተሓወለሎም ኣማኢት ሰባት፣ መዓልታዊ ኣብ ባሕቲ መስከረም ኣብ ዝርከብ ጨንፈር ሂምቦል ይከላበቱ

Radio Erena: 28 August 2020

ብጉልባብ ለበዳ ኮረና ቫይረስ ድሕሪ ዝተኣወጀ ምዕጻው ምንቅስቓስ ሰባትን ትካላትን፣ ንኹሉ’ቲ ካብ ወጻኢ ሃገራት ናብ ኤርትራ ዝካየድ ዝነበረ ሸርፍን ሓዋላን ብሒቱ ዝርከብ ናይ ህግደፍ ትካል ሂምቦል፣ ህዝቢ ካብ ወጻኢ ንዝተላእከሉ ገንዘብ ንኸውጽእ የከላብቶ ምህላዉ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ሓቢሮም።

ኣብ ከተማ ኣስመራ፣ ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ፣ ኣብ ሜዳ ባሕቲ መስከረም ኣብ ዝርከብ ጨንፈር ሂምቦል፣ ኣስታት 500 ሰባት፣ ካብ ወጻኢ ዝተላእከሎም ገንዘብ ንምውጻእ ሪጋ ተሰሪዖም ከምዝውዕሉ’ውን እቶም ምንጭታት ኣረዲኦም።

ተቐበልቲ ገንዘብ፣ ሪጋ ብምብዝሑ፣ ክመላለሱ ዝተራእዩ ከምዘለዉ ዘመልከቱ እቶም ምንጭታት፣ ናይ ስማኦት ጌጋ ይኹን ካልእ መስርሕ ንምቕያር ኣብ ዝሕተተሉ ድማ፣ እቶም ነቲ ገንዘብ ዝሓወሉ ተወሳኺ 10 ዶላር ክኸፍሉ ከምዝግደዱ ኣገንዚቦም።

እቶም ኣብ ዘይሕጋዊ ሓዋላ ተዋፍሮም ዝጸንሑ ዝተፈላለዩ ወገናት እውን፣ ኣብዚ እዋን’ዚ፣ ብመንገዲ ወከልቲ ህግደፍ ኣቢሎም ናብ ሂምቦል ይልእክዎ ከምዘለዉ ተፈሊጡ።

ብጉልባብ ኮረና ቫይረስ ንጥፈታት ሓያሎ ትካላት ደስኪሉ ምስ ምህላዉ፣ ካብ ከተማታት ወጻኢ ንዝርከቡ ስድራቤታት፣ እቲ ገልታዕታዕ ብዝያዳ ብኢሱ ይርከብ።

መንግስቲ፣ ንዑደት ባጤራ ናቕፋ ደሪቱ፣ ንመጠን ሸርፊ ሓደ ዶላር ኣመሪካ ናብ ኣስታት 15 ናቕፋ ከውርዶ ክኢሉ ኣሎ።

ይኹን’ምበር ኣብ ኤርትራ ዘሎ ዕዳጋታት ምስ መጠን ናይ ወጻኢ ሸርፊ ክርአ እንከሎ፣ መግብታትን መሰረታዊ ሃለኽቲ ነገራት ካብ ናይ ሃገራት ኤውሮጳን ኣመሪካን ብልዕሊ ዕጽፊ ይዛይድ።
================

COMMENTS

WORDPRESS: 0