ነበርቲ ከሰላ፣ ሰዓታት እቶ እቶ ብምጥሓስ፣ ንሲቪላዊ ምምሕዳር ዘለዎ ደገፍ ንምግላጽ ሰፊሕ ሰላምዊ ሰልፊ ኣካይዱ

Radio Erena: 28 August 2020

ኣብ ምብራቕ ሱዳን፣ ከተማ ከሰላ፣ ብሰንኪ ቀቢላዊ ግጭታት ዝተኣወጀ ሰዓታት እቶ እቶ ብምጥሓስ፣ ህዝቢ ንሲቪላዊ ምምሕዳር ዘለዎ ደገፍ ንምግላጽ ሰፊሕ ሰላምዊ ሰልፊ ኣካይዱ።

እቲ ብረቡዕ 26 ነሓሰ ዝተኻየደ ሰለማዊ ሰልፊ፣ ተመዚዙ ዘሎ ሳልሕ ዓማር ዝተባህለ ኣመሓዳሪ እታ ከተማ ብዝቐልጠፈ ካብ ካርቱም ናብ ከሰላ ክመጽእ ዝጠልብ’ዩ።

ሓደ መዓልቲ ቅድሚ’ቲ ሰለማዊ ሰልፊ፣ ደገፍቲ ተመዚዙ ዘሎ ሓድሽ ኣማሓዳሪ ዝኾኑ ቀቢላ ቤን ዓምርን ተቓወምቱ ሃደንዳዋን ግጭት ብምክያዶም፣ ናይ ዝተቀትሉ ሰባት ብዝሒ ሰለስተ ክበጽሕ እንከሎ ልዕሊ 20 ድማ ቆሲሎም።

ኣብ ካርቱም ዝርከብ፣ ሓድሽ ተመዚዙ ዘሎ ኣማሓዳሪ ከሰላ፣ ሳልሕ ዓማር፣ ካብ ቀቢላ ቤን ዓምር ኮይኑ፣ ናይ ውትህድርና ድሕረ ባይታ ዘለዎ’ዩ።

ይኹን’ምበር፣ ኣብዚ እዋን’ዚ፣ ነቲ ኣቐዲሙ ዝነበረ ወትሃደራዊ ምምሕዳር እቲ ዞባ ብምትካእ፣ ሲቪላዊ ኣገልግሎት ክህብ ምዃኑ’ዩ ዝጥቀስ።

ኣብታ ከተማ ደገፎም ዝገለጽሉ፣ መብዛሕቶም ካብ ቀቢላ ቢን ዓምር ዝኾኑ ኣሽሓት ሰልፈኛታት፣ እቲ ኣማሓዳሪ ኣብ ውሽጢ 72 ሰዓታት ናብ ከሰላ ክመጽእ ጠለብ ኣቕሪቦም ኣለዉ።

ኮሚተ ጸጥታ ዞባ ከሰላ፣ ድሕሪ’ቲ ዝተኻየደ ተደጋጋሚ ግጭታት፣ ክሳብ ሎሚ ዓርቢ 28 ነሓሰ ዝጸንሐ፣ ናይ ሰለስተ መዓልታት፣ ሰዓታት እቶ እቶ ኣዊጁ እኳ እንተነበረ፣ ነበርቲ ከሰላ ነዚ ብምጥሓስ’ዮም ሰለማዊ ሰልፊ ኣካይዶም።

ኣብታ ከተማ፣ ድሕሪ’ዚ ዝተኻየደ ሰለማዊ ሰልፊ፣ ኣብ መንጎ’ቶም ካብ ብሄረ ቤጃ ዝኮኑ ቀቢላታት ቢን ዓመርን ሃደንደዋን ወጥሪ ሰፊኑ ከምዘሎ ናይ ዓይኒ መሰኻክር የመልክቱ።

==============

COMMENTS

WORDPRESS: 0