ኣስመራ፣ ብሞባይል ስእልታት ዘልዕሉ ዝነበሩ መንእሰያት ተኣሲሮም

Radio Erena: 31 January 2022

ኣብ ኣስመራ፣ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ብሞባይል ኣሳእል ክወስዱ ዝተራእዩ ሓያሎ መንእሰያት ከምዝተኣስሩ ምንጭታት ራድዮ ኤረና ኣረጋጊጾም።

እቶም ኣብ ከባቢ ኣኽርያ፣ ቤተ ክርስትያን እንዳ ገብሪኤል፣ ከባቢ ማእከል ከተማ፣ ቤተ ክርስትያን እንዳማርያምን ካልእ ከባቢታትን፣ ኣብ ወርሓት ሕዳርን ታሕሳስን፣ ኣብ እዋን በዓላት ንግደት፣ ብሞባይል ስእሊ እናወሰዱ ዝተታሕዙ መንእሰያት፣ ዝተኣስርሉ ቦታ ክፍለጥ ከምዘይክኣለ ካብ መቕርብን ቤተሰብን ንዝረኸብዎ ሓበሬታ ብምጥቃስ እቶም ምንጭታት ኣመልኪቶም።

ኣብ ኣስራመ፣ ብፍላይ ኣብ እዋን በዓላት፣ ኣብ ኣብያተ ክርስትያን ናይ ዝልምን ብዝሒ ህዝቢ፣ ካብ ንቡር ንላዕሊ በዚሕሉ ኣብ ዘሎ እዋን፣ ሞባይል ዝሓዙ ሰባት ኣሳእል ወሲዶም፣ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ብዝርከባ መራኸቢ ብዙሓንን ማሕበራዊ ሜድያታትን ከይዝርግሖ ካብ ዝብል ስግኣት፣ ኣባላት ጸጥታ መንግስቲ ነቶም ኣሳእሊ ክወስዱ ዝረኸቦ መንእሰያት ከምዝኣሰርዎም እቶም ምንጭታት ብተወሳኺ ኣሚቶም።

ብዝሒ ናይቶም በብእዋኑ ብሞባይል ክትስእሉ ጸኒሕኩም ተባሂሎም ዝተኣስሩ መንእሰያት ብልክዕ ክፍለጥ እኳ እንተዘይክኣለ፣ ኣብ እዋን ንግደት፣ ኣብ ወርሒ ሕዳር፣ ካብ ቀጽሪ ቤተ ክርስትያን እንዳማርያም ዝተወስዱ፣ ኣብ ክሊ ዕድመ መወዳእታ 20ታት ዝርከቡ ክልተ ኣዕሩኽ ከምዝርከብዎም ራድዮ ኤረና ከተረጋግጽ ክኢላ ኣላ።

ኣብ ካልእ ኣብያተ ክርስትያንን ካልእ ከባቢታት ኣስመራን’ውን ብሞባይል ኣሳእል ንዝወስዱ ሰባት፣ ምክትታል ይግበር ኣሎ ዝብል ጥርጣረታት ከምዘሎ እቶም ምንጭታት ኣብ መወዳእታ ኣተሓሳሲቦም።

==========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0