ኣስመራ፣ ብሞባይል ስእልታት ከተልዕሉ ጸኒሕኩም ዝተባህሉ ተወሰኽቲ መንእሰያት ተኣሲሮም

Radio Erena: 14 March 2022

ኣብ ኣስመራ፣ ብሞባይል ኣሳእል ከተልዕሉ ጸኒሕኩም ዝተባህሉ ተወሰኽቲ መንእሰያት ከምዝተኣስሩ ምንጭታት ራድዮ ኤረና ኣረጋጊጾም።

እቶም ኣብ ከባቢ መደብር ዝተታሕዙ ሰለስተ መንእሰያት ናበይ ከምዝተወስዱ ኣይተፈልጠን።

ቅድሚ ኣርባዕተ ኣዋርሕ’ውን፣ ኣብ ከባቢ ኣብያተ ክርስትያን ኣሳእል ዘልዕሉ ዝነበሩ መንእሰያት ከምዝትኣስሩ ብራድዮ ኤረና ተቓሊሑ ምንባሩ ይዝከር።

ኣብ ኣስራመ፣ ብፍላይ ኣብ እዋን በዓላት፣ ኣብ ኣብያተ ክርስትያን ናይ ዝልምን ብዝሒ ህዝቢ፣ ካብ ንቡር ንላዕሊ ኮይንሉ ኣብ ዘሎ እዋን፣ ሞባይል ዝሓዙ ሰባት ኣሳእል ወሲዶም፣ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ብዝርከባ መራኸቢ ብዙሓንን ማሕበራዊ ሜድያታትን ከይዝርግሖ ካብ ዝብል ስግኣት፣ ኣባላት ጸጥታ መንግስቲ ነቶም ኣሳእሊ ክወስዱ ዝረኸቦ መንእሰያት ኣሲሮሞም ክኾኑ ከምዝኽእሉ ኣብቲ እዋን’ቲ ተመልኪቱ።

ብዝሒ ናይቶም በብእዋኑ ብሞባይል ክትስእሉ ጸኒሕኩም ተባሂሎም ዝተኣስሩ መንእሰያት ብልክዕ ክፍለጥ ኣይከኣለን።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0