ኣርባዕተ ኢትዮጵያውያን ብስለያ ተኸሲሶም

ናብ ኤርትራን ግንባር ሓርነት ኦሮሞን ወትሃደራዊ ምስጢራት ከተቀባብሉ ጸኒሕኩም ተባሂሎም ዝተተርጠሩ ክልተ ወትሃደራውያን መኮንናት ዝርከብዎም ኣርባዕተ ኢትዮጵያውያን ክሲ ከምዝተመስረተሎም ዘ ሪፖርተር ሓቢሩ።
እቶም ብስለያ ሃገራዊ ድሕነት ኣብ ሓደጋ ኣእቲኹም ዝብል ክሲ ተመስሪትሎም ዘለዉ ወትሃደራውያን ሓለፍቲ ኢትዮጵያ፣ ቀዳማይ ኣብ ሚኒስትሪ ምክልኻል ኣዛዚ ኮሌጅ መኮንናትን ዓቕሚ ሰብን ሜጀር ደበላ ሙለታ ዴንሳ፣ ካልኣይ ኣብ ሚኒስትሪ ምክልኻል ኢትዮጵያ ሓላፊ ክፍሊ መዝገብ በሃይሉ ነጋሽ ከምኡ ድማ ኣብ እዋን ደርግ ኣባል ደህንነት ኮይኑ ኣብ ስዑዲ ዓረብያ ኣብ ዝርከብ ኤምባሲ ከም ኦፐሬተር ዝሰርሐ ብታሪክ ዝፍለጥ ተሾመ መንግስቱን ካፒተን ለማ በቀለን’ዮም።
ቤት ፍርዲ እታ ሃገር ኣቕሪብዎ ብዘሎ ክሲ መሰረት፣ እቲ ኣብ ደህንነት ደርግ ዝነበረ ተሾመ መንግስቱ ምዕሽ ገብረግዝኣብሔር ምስ ዝተባህለ ኤርትራዊ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ድሕሪ ምርኻቦም እቲ ኢትዮጵያዊ፣  ወትሃደራውን ካልእን ሓበሬታ ብምእካብ ናብ ኤርትራን ግንባር ሓርነት ኦሮሞን ክልእኮ ከምዝጸንሐ የመልክት።
ድሕሩ ድማ ናይ ምስጢር ስሙ ሰለሙን ኣስራት ምስ ዝተባህለ ኣባል ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ብምልላይ፣ ወትሃደራዊ ሓበሬታ ክረኽቡ ንዝኽእሉ ሰባት ክምልምል ተልእኾ ተዋሂብዎ ናብ ኢትዮጵያ ከምዝኣተወ ጸብጻብ ዘ ሪፖርተር ይገልጽ።
ካፒተን ለማ በቀለ ድማ፣ ብመንገዲ ኣብ ስዊዘርላን ዝርከብ ኣባል ኦነግ ምስ ሓደ ኣስራት ኣስፋ ዝተባህለ ኤርትራዊ ብምልላይ፣ ንኩነታት ኣወዳድባ ሰራዊት ኢትዮጵያ፣ ብዝሕን ዓቕምን ተዓለምቲ፣ ዓይነት ዝወስድዎ ታዕሊም፣ ሓጺርን ነዊሕን ወትሃደራዊ ውጥናት፣…ወዘተ ዝኣመሰሉ ሓበሬታታት ብፖስታ ክልእኽ ከምዝጸንሐን ንኻልኦት’ውን ከምዝመልመለን እቲ ክሲ ብተወሳኺ የቕርብ።
እዞም ክልተ መኮንናት ዝርከብዎም ኣርባዕተ ኢትዮጵያውያን፣ ነፍሲ ወከፎም ንወርሒ ካብ 300 ብር ክሳብ 3000 ብር በብዝተፈላለየ መንገዲ ይልኣኸሎም ከምዝነበረ’ውን ይጥቐስ።
ቤት ፍርዲ ኢትዮጵያ ንጉዳይ’ዞም መንግስቲ ኢትዮጵያ ብክድዓት ከሲስዎም ዘሎ ኣርባዕተ ኢትዮጵያውያን፣ ኣብ መጀመርያ ሰሙን ወርሒ ጥቕምቲ ብይን ክህብ ትጽቢት ኣሎ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣቐዲሙ’ውን ናብታ ሃገር ዑቕባ ንዝሓተቱ ክልተ ኤርትራውያን ኣባላት ሚኒስትሪ ምክልኻል ብስለያ ከሲስዎም ምህላዉ ተገሊጹ’ዩ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0