ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል፣ ጉዳይ ብእስራኤል መጥቃዕቲ ወሪድዎም ዝበሎም ጋዜጠኛታት ክምርመር ጸዊዑ

Radio Erena: Friday, 08 December 2023

እስራኤል ብ13 ጥቅምቲ ኣብ ደቡባዊ ሊባኖስ ጋዜጠኛ ሮይተርስ ኢሳም ዓብደላ ዝቐተለን ካልኦት ሽዱሽተ ጋዜጠኛታት ዘቑሰለን መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ክኸውን ከምዝኽእልን ክምርመር ከምዘለዎን ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ሓቲቱ።

ሂዩማን ራይትስ ዎች ብወገኑ፣ ‘ኣብ ልዕሊ ሲቪል ኮነ ኢልካ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ’ ምዃኑን፣ ፈጸምቱ ክሕተቱ ከምዘለዎምን ኣተሓሳሲቡ።

ወሃቢ ቃል መንግስቲ እስራኤል ኤይሎን ሌቪ ‘ሓይልታት እስራኤል ንሲቪል ዕላማ ጌሮም’ንዝብል ክሲ ነጺጉ።

‘ሰለማውያን ሰባት ካብ ቦታ ኲናት ንምውጻእ ዝከኣለና ኩሉ ክንገብር ጸኒሕና ኢና’ ክብል ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ገሊጹ።

እቶም ጋዜጠኛታት ዝነበሩሉ፣ክፉት ቦታ፣ መኸልከሊ ይኹን ካልእ ህንጻታት ዘይብሉ ኾይኑ፡ ነቶም ኣብ ጥቓኦም ዝነበሩ ወተሃደራዊ ድፋዓት እስራኤል ይስእሉ ከም ዝነበሩ ተገሊጹ።

ኣምነስቲ መርመራኡ ብምክያድ ኣብ ልዕሊ እቶም ስርሖም ዘካይዱ ዝነበሩ ጉጅለ ዓለምለኻውያን ጋዜጠኛታት መጥቃዕቲ ከምዝተፈጸመ ዘመልክት መርትዖታት ከምዝረኸበ ገሊጹ።

ሮይተርስ፣ እቲ ታንክታት ካብ ውሽጢ እስራኤል ከምዝተተኮሰ ዝረኸቦ ውጽኢት ምርኩስ ብምግባር፣ ንመንግስቲ እስራኤል ል ተወሰኽቲ ዝርዝር ሕቶታት ኣቕሪቡ።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0