ኣምባሳደር ካሜሮን ኣብ ኢትዮጵያ፣ ኣብ መንበሪ ገዝኡ ሞይቱ ተረኺቡ

Radio Erena:- 15 August 2019

ኣምባሳደር ካሜሮን ኣብ ኢትዮጵያን ሕብረት ኣፍሪቃን ዣክ ኣል ፍረድ ዱምበ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝርከብ መንበሪ ገዝኡ ሞይቱ ከምዝጽንሐ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ሓቢረን።

እቲ ሓደ ካብ ላዕለዎት ዲፕሎማሰኛታት ካሜሩን ምዃኑ ዝተጠቕሰ ኣልፍረድ ዱምበ፣ ብሰኑይ 12 ነሓሰ ሞይቱ ከምዝተረኽበ ዘረጋገጸ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር፣ ጠንቂ ኣማውትኡ ኣይሓበረን።

62 ዓመት ዝዕድሚኡ ኣምባሳደር ዱምበ፣ ብተደጋጋሚ ይሓምም ብምንባሩ፣ ጠንቂ ሞቱ’ውን ሕማም ክኸውን ከምዝኽእል ግምታት ኣሎ።

እንተኾነ፣ ዝያዳ መርመራ ክግበረሉ፣ እቲ ሬሳ ናብ ሆስፒታል ተላኢኹ ኣሎ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0