ኣማኢት ኤርትራውያን ወለዲ ፋሲካ ኣብ ዮርሳሌም ንምብዓል ናይ ገዛ ሊብሬቶን ካልእ ትሕጃን ብምትሓዝ ናብ እስራኤል ከይዶም

ኣማኢት ኤርትራውያን ወለዲ ፋሲካ ኣብ ዮርሳሌም ንምብዓል ናይ ገዛ ሊብሬቶን ካልእ ትሕጃን ብምትሓዝ ናብ እስራኤል ከይዶም

Radio Erena: April 18, 2014

Orthodox in Israel

በዓል ፋሲካ ንምጽንባል ኣማኢት ኤርትራውያን ወለዲ ናብ እስራኤል ከተማ ዮርሳሌም ከምዝኣተዉ ወኪል ሬድዮ ኤረና ካብታ ሃገር ሓቢሩ።

እቶም ኤርትራውያን ውለዲ ናብ እዮርሳሌም ናይ ፋሲካ ንግደት ንኸካይዱ፣ ካብ ኤርትራ መውጽኢ ፍቓድ ንምርካብ ክሳብ ናይ ሊብሬቶ ትሕጃ ከምዘትሓዙ’ውን ተገሊጹ።

ብዝሒ እቶም ናብ ሎሚ ዓመት ናብ እስራኤል ዝኣተአዉ ኤርትራውያን ወለዲ ምስ ናይ ዓሚ ክነጻጸር እንከሎ፣ ኣዝዩ ከምዝዛየደ’ውን ተፈሊጡ ኣሎ።

 

እዚ ምናልባት ወለዲ ብጉልባብ ንግደት ናብ እዮርሳሌም ኣብ እስርራኤል ንዝርከቡ ደቆም ንምብጻሕ ዝተተሓሓዘ ክኸውን ከምዝኽእል ይንገር።

ኣብ እስራኤል እትርከብ ኦርቶዶክሳዊት ቤት ክርስትያን ኤርትራ ብሰንኪ ምትእትታዊ መንግስቲ፣ ኣብ መንጎ ደገፍትን ተቓወምትን ተባሂላ ኣብ ክልተ ከምዝተመቕለት ይፍለጥ።

ብሰንኪ’ዚ ኣብ ኣስመራ ዘሎ ፈላላዩ ስርዓት፣ ኤርትራውያን የሕዋት ከም ፋሲካ ዝኣመሰለ ዓበይቲ ሃማኖታውያን በዓላትን ካልእ ኣጋጣሚታትን ብሓባር ከብዕልዎ ኣይከኣሉን።
==================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0