ኣማኢት ኤርትራውያን ቆልዑ ብዘይኣላዩ ኣብ ጎደናታት ኢጣልያ ይከላበቱ ኣለዉ

ኣማኢት ኤርትራውያን ቆልዑ ብዘይኣላዩ ኣብ ጎደናታት ኢጣልያ ይከላበቱ ኣለዉ

Radio Erena: 06 July 2015

Ita

ልዕሊ 300 ዝኾኑ ኤርትራውያን ትሕቲ ዕድመ፣ ቆልዑ ብዘይኣላዩ ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ኢጣልያ ኣብ ጎደናታት ይከላበቱ ኣለዉ።

እዞም ካብ 12 ክሳብ 16 ዓመት ዝዕድሚኦም ኤርትራውያን፣ ብዘይዝኾነ ኣላዩ ብባሕሪ ድሕሪ ምስጋሮም፣ ካብቲ ኣብ ሲቺልያ ዝርከብ መዓስከራት ኢጣልያ እናሃደሙ፣ ናብ ሰሜን ኤውሮጳ ንምስጋር ኣብ ጎደናታት ፓሌርሞ፣ ካታንያን መሲናን ይከላበቱ ምህላዎም፣ ኣብቲ ዞባ ኣብ ትካላተ ግብረ ሰናይ ዝነጥፉ ዘለው ግዱሳት ንሬድዮ ኤረና ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ ኣረጋጊጾም።

እቶም ቆልዑ፣ ብደላሎን ኣሰጋገርትን ካራ ሚነዮ ካብ ዝረከቦ ግዝያዊ መዓስከራት ሲቺልያ ድሕሪ ምውጽኦም፣ ካብ ስድራቤታቶም ገንዘብ ክሳብ ዝሕወለሎም፣ ሕማቕ ኩነታት ኣየረ ኣብ ዘለዎ ግዜ’ውን ከይተረፈ ኣብ ጎደናታት ከምዝነብሩን ብሰንኩ’ውን ግዳያት ጭንቐትን ርእሰ ቅትለትን ዝኾኑ ምህላዎም ኣገንዚቦም።

 

ካብ መዓስከራት ሱዳንን ኢትዮጵያን ጀሚሩ ኣብ ሰሃራን ማእከላይ ባሕሪን ዝገጠሞም ኣካላውን ስነኣእምሮኣውን ስቓይ ከይኣክል፣ ናብ ኢጣልያ ድሕሪ ምእታዎም’ው ትጽቢቶምን ክውንነቶምን ክቓዶ ብዘይምኽኣሉ፣ መብዛሕቶም እቶም ቆልዑ ኣብ ንኡስ ዕዲምኦም ኣብ ከቢድ ጭንቀት ከምዝወሓጡ’ውን ኣብ ካታንያ ብወለንትኡ ስደተኛታት ኣብ ምሕጋዝ ዝነጥፍ ኤርትራዊ ኣቦ፣ ኣቶ ኣብርሃ ተወልደ (ድሪቶ) ገሊጹ።

ኣቶ ኣብርሃ ኣብቲ ምስ ሬድዮ ኤረና ዘካየዶ ቃለ ምልልስ፣ ኣብ ካታንያ ኣብ ዝጸንሓሉ ኣስታት 40 ዓመታት ከምዚ ዓይነት ስደት ርእዩ ከምዘይፈልጥ፣ ብፍላይ ዋሕዚ ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ ኣዝዩ ከምዘተሓሳሰቦ ኣመልኪቱ።

ስደተኛታት፣ ብፍላይ ቆልዑ ናብ ሮማንን ሚላኖን ቅድሚ ምስጋሮም፣ ኣብ ካታንያ ኣብ ዝጸንሕሉ እዋን ከም መግቢ፣ ክዳውንትን ሕክምና ዝኣመሰለ ሓገዛት ንኽረኽቡ’ውን ዝከኣሎ ጻዕርታት ይገብር ምህላዉ ጠቒሱ።

Ita2

መብዛሕቶም እዞም ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ፣ ናይ ስራሕ ዕድላት ንምርካብ ዕድሚኦም ኣዛይዶም ይምዝገቡ ብምህላዎም’ውን፣ ነቲ ንቆሎኡ ብፍሉይ ተባሂሉ ዝተዳለወ ዕድላት ክረኽብዎ ከምዘይክኣሉ’ዩ ዘረድእ።

ኣብ ከተማ ሮማ’ውብ ብተመሳሳሊ ኣማኢት ኤርትራውያን ቆልዑ፣ ኣብ መናሃርያ ባቡራትን ኣውቶቡሳትን ኣብ ግዳም ይሓድሩ ከምዝነበሩ ዘመልከተ ኣብ ምጥባቕ ሰብኣዊ መሰላት ብፍላይ ድማ ኣባ ጉዳይ ስደተኛታት ዝነጥፍ ኤርትራዊ መንሰይ ነባሪ እታ ከተማ ዓምር ኣድም፣ ሳላ ዘካየድዎ ተደጋጋሚ ጻዕርታት ኣብዚ እዋን’ዚ ብምምሕዳር ከተማ ሮማ ኣብ ዝተዋህበ ቦታ ብሓገዝ ቀይሕ መስቀልን ካልኦት ትካላት ግብረ ሰናይን መግብን ግዝያዊ መጽለልን ዝረኽብሉ ቦታ ተዳልዩ ምህላዉ ኣፍሊጡ።

እቲ ማእከል ከተማ ሮማ ‘ትቡርቲና’ ኣብ ዝተባለ ቦታ ዝተዳለወ ናይ ሓገዝ ማእከላት ክልተ ኮይኑ፣ እቲ ሓደ ብቀይሕ መስቀል ኣብ ጎግልጎል ብቴንዳታት ዝቖመ ግዝያዊ መዓስከር ክኸውን እንከሎ፣ እቲ ካልኣይ ድማ ኣብ ቭያ ኩፓ ዝቖመ’ዩ።

ኣብ ሚላኖ’ውን ካብዚ ብዘይፍለ፣ ኣማኢት ቆልዑ ኣብታ ከተማ ብፍላይ ኣብ ‘ቸንትራለ’ ኣብ ጎደናታት ክሓድሩን ገሊኦም ‘ውን ክሳብ ኣብ ምልማን ተዋፊሮም ከምዝነበሩን ክግለጽ ጸኒሑ’ዩ።

ካብዚ ቀረባ እዋን ኣትሒዙ ግና፣ ምስ ምምሕዳር ከተማ ሚላኖን ትካላት ግብረ ሰናይን ብዝተግበር ምትሕብባር፣ ነቶም ዝኾነ ኣላዩ ክረኽቡ ዘይክኣሉ ሓደስቲ ስደተኛታት ንሒደት መዓልታት ዝዕቖብሉን ማይን መግብን ድማ ብናጻ ዝረኽብሉን ማእከል ቆይሙ ምህላዉ ኣብታ ከተማ ምስዘን ትካላት ግብረ ሰናይ ተዋፊሩ ኣብ ምሕጋዝ ስደተኛታት ዝነጥፍ ዘሎ መንእሰይ ጽገሃንስ ኣረዲኡ።

መብዛሕቶም እዞም ቆልዑን ካልኦት ኤርትራውያን ስደተኛታትን ናብ ሰሜን ኤውሮጳ ብፍላይ ናብ ብሪጣንያ፣ ሽወደን፣ ነርወይን ካልኦት ሃገራትን ንምስጋር ዝሕልኑ ኮይኖም፣ ናብዘን ሃገራት ኣትዮም ዑቕባ ክሳብ ዝሓቱ፣ ብዘይሕጋውያን ኣሰጋገርትን ደላሎን ብዙሕ ምዝመዛ’ዩ ዝካየደሎም።

ክቡራት ሰማዕትና፣ ብዛዕባ’ዚ ኣብ ከተማታት ኢጣልያ፣ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብፍላይ ቆልዑ ዘሕልፍዎ ዘለዉ ከቢድ ኩነታት ብዝምልከት ዝተዳለወ ሰፊሕ ትሕዝቶ ኣብ ዝመጽእ መዓልታት ክቐርብ’ዩ።

============================================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0