ኣማኢት ኤርትራዊያን ኣብ እስራኤል ሰላማዊ ሰልፊ ኣካዪዶም

መንግስቲ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ዝገብሮ ዘሎ ጸቕጢ ንምቅዋም ኣማኢት ኤርትራዊያን ሰላማዊ ሰልፊ ከምዘካየዱ ካብታ ሃገር ዝተፈነወ ዜና ኣመልኪቱ። እቶም ኣብ ኣፍደገ ሚኒስትሪ ምክልኻል እስራኤል ሰላማዊ ሰልፊ ዘካየዱ ኣማኢት ኤርትራውያን፣ መንግስቲ እስራኤል ንዝኾነ ስደተኛ ብዘይፍርዲ ንሰለስተ ዓመታት ክቕይድ ንዘውጸኦ ሕጊ ብምቅዋም፣ ‘ናብ ቤት ማእሰርቲ ዳግማይ ክንምለስ ኣይንደልን’ ዝብል ጭሮሖ ከምዘልዓሉ ተፈሊጡ። ኣዳለውቲ’ቲ ሰላማዊ ሰልፊ ኣብቲ ኣጋጣሚ ኣብ ዘስምዕዎ ቃል፣ ካብታ ዓባይ ቤት ማእሰርቲ ኤርትራ ኣምሊጦም ከምዝወጹን፣ ኣብ ደሞክራስያዊት ሃገር ብዘይገበን ዳግማይ ናብ ቤት ማእሰርቲ ክኣትዉ ከምዘይደልዩን ሓቢሮም። ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት እስራኤል፣ ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ስደተኛታት ክቕየዱ ሓያል ጻዕርታት ከካይድ ምጽንሑ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ካብ ጥቅምቲ 15 ኣትሒዙ ተግባራዊ ዝኸውን፣ ንስደተኛታት ብዘይ ፍርዲ ንሰለስተ ዓመታት ዝኣስር ሕጊ ከተግብር ምውሳኑ ይዝከር። እንተኾነ እቲ ሕጊ ተግባራዊ ክኸውን ናይ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ውሳኔ ዘይኮነ ዝጽበ ዘሎ፣ እቲ ሓድሽ መዳጎኒ መዓስከር ገና ስለዘይተወደአ ምዃኑ ንምንጭታት ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት እስራኤል ብምጥቃስ ጆርሳሌም ፖስት ሓቢሩ። እቲ ሰላማዊ ሰልፊ፣ ኣቐድም ኣቢሉ ኣብ ሸሞንተ ጥቅምቲ ከምዝጀመረ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት የመልክቱ። ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝርከባ ኤርትራውያን ደቀንስትዮ፣ ከምገበነኛታት ክቕየዳ ከምዘየፍቅዳ ብምግላጽ ከምዝጀመርኦን፣ ከባቢ 400 ዝኾኑ ካልኦት ኤርትራውያን እሱራት ንመዓልታት ናይ መግቢ ምሕሳም ኣድማ ከምዘካየዱን፣ ንሬድዮ ኤረና ኣብ ዝሃብዎ ቃለመጠይቕ ምግላጾም ይዝከር። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ቀዳማይ ሚኒስተር በንያሚን ናታንያሁ፣ ኣብ ዶባት ግብጽን እስራኤልን ዝርከብ ሓጹር ብዝሓየለ መልክዕ ክስራሕ ጸዊዑ’ዩ። ብተወሳኺ ውሽጣዊ ባይቶ ክነሰት፣ ኣብ ኣስራኤል ዝርከቡ ስደተኛታት ናብ ሃገሮም ዝልእክዎ ገንዘብ መጠን ክግበረሉ ጻውዒት ከምዘቕረቡ ይዝከር።

COMMENTS

WORDPRESS: 0