ኣማሓዳሪ ዞባ ዳርፉር፣ ሚኒ ኣርኮ ሚናዊ ምስ መራሕቲ ደቡብ ሱዳንን ኤርትራን ዘትዩ

Radio Erena: 22 December 2022

ካብ ነሓሰ 2021 ኣትሒዙ ኣማሓዳሪ ዞባ ዳርፉር ናይ ሱዳን ኮይኑ ዝተመዘዘ፣ ሚኒ ኣርኮ ሚናዊ ኣብ ዝተፈላለየ ጉዳያት ብምትኳር ምስ መራሕቲ ደቡብ ሱዳንን ኤርትራን ዘትዩ።

ሚን ሚናዊ ኣብቲ ብ14 ታሕሳስ ኣብ ጁባ ዘካየዶ ዑደት፣ ምስ ፕረዚደንት ሳልቫኪር ብምርኻብ፣ ኣብ ትግባረ ናይቲ፣ ኣብ ጥቅምቲ 2020፣ ኣብ ጁባ ዝተበጽሐ ስምምዕ ሰላም ብዝምልከት መኺሩ።

ኣብ ርእሲ’ዚ ክልቲኦም ወገናት፣ ኣብ ጸጥታ፣ ዶብ ሰገር ንግዲን ተኽእሎ ወፍርታትን ብዝምልከት ተዘራሪቦም።

ሚን ሚናዊ ናይ ደቡብ ሱዳን ናይ ሳልስቲ ዑደቱ ዛዚሙ ናብ ኤርትራ ብምቕናዕ ብ20 ታሕሳስ ኣስመራ ኣትዩ።

ኣብ ኤርትራ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ብምርኻብ፣ ኣብ ህሉው ኩነታት ሱዳንን ፣ ባህግን ድሌታትን ዞባ ዳርፉርን ብምትኳር ከምዝተመያየጡ መርበባት ዜና ሱዳን ሓቢረን።

ኣገልግሎት ዜና ሱዳን ብዘቕረቦ ዜና መሰረት፣ ሚን ሚናዊ ድሕሪ’ቲ ርክብ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ዳርፉርን ኤርትራን ብብዙሕ ዝመሳሰል ጉዳያት ከምዘለወን ብምጥቃስ፣ ዕላማ ዑደቱ ተሞክሮ ንምቕሳም ምዃኑ ኣስሚርሉ።

ኣብ ዞባ ዳርፉር ናይ ሱዳን፣ ካብ 2003 ኣትሒዙ ብዝቐጸለ ግጭት፣ ህወይት ኣማኢት ኣሽሓት ሰባት ቀቲሉን ኣመዛቢሉን’ዩ።

ስርዓት በሺር፣ ኣብቲ ግጭት ኣዕራብ ሚሊሻ ብምውፋር ኣብ ልዕሊ ጸለምቲ ደቀባት ናይቲ ዞባ ዓሌት ናይ ምጽናት ገበናትን ገበናት ኵናትን ከምዝፈጸመ ብኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ምኽሳሱ ኣይርሳዕን።

ብሚን ሚናዊ ዝፍለጥ፣ ወዲ 54 ዓመት ሱሌማን ኣርኮ ሚናዊ ሓደ ካብ መራሕቲ ናይቲ ኣንጻር መንግስቲ ሱዳን ኣብ ዝካየድ ዝነበረ ጎነጽ ዝሳተፋ ዝነበራ ዕጡቓት ምንቅስቓሳት ናይቲ ዞባ ምንባሩ ይፍለጥ።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0