ኣመሪካ ዝለገሰተን 54 ወተሃደራውያን መካይን ናብ ወደብ ጂቡቲ ኣትየን

Radio Erena: 22 December 2019

ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝለገሰተን 54 ወተሃደራውያን መካይን ናብ ወደብ ጂቡቲ ኣትየን።

ወተሃደራዊ እዚ ኣመሪካ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ እተን ብዓርቢ 20 ታሕሳስ ናብ ጂቡቲ ዝኣተዋ ወተሃደራውያን መካይን፣ ነቲ ሰራዊት ጂቡቲ ከባቢታቱ ንምቁጽጻር ዘኽእሎ ልምምድ ተወሳኺ ሓገዝ ንምግባር ምዃኑ ሓቢሩ።

ኣመሪካዊ ኣዛዚ ሰራዊት ካፕቴን ሚሸል ሲምፕሰን ብወገኑ ኣብ ዝሃቦ ቃል፣ እዘን ፍሉይ ዕጥቂ ዘለወን 54 መካይን፣ ነቲ ድሮ ሰልጢኑ ዘሎ ፍሉይ ኣሃዱ ሰራዊት ጂቡቲ ዓቢ ሓገዝ ከምዘበርክታ ገሊጹ።

ኣመሪካ ኣብ ጂቡቲ ዘለዋ ወተሃደራዊ ምንቅስቓስ ካብ 2001 ዓመተ ምህረት ዝጀመረ እኳ እንተኾነ፣ ቻይና ዝዓበየ ወተሃደራዊ መዓስከር ኣብ ጂቡቲ ድሕሪ ምህናጻ ግና፣ ህላዌኣ ንምርግጋጽ ዝያዳ ምቁጽጻርን ወተሃደራዊ ሓገዛት ኣብ ምግባርን እያ ተጸሚዳ ዘላ።

ወተሃደራዊ ህላዌ ቻይና ኣብ ጂቡቲ ዘሻቐላ ኣመሪካ፣ ንመዓስከራታን ሰራዊታን ስግኣት ክፈጥረላ ንዝኽእል እንተታት ንምፍሻል፣ ፕረዚደንት ትራምፕ ክፍርመሉ ትጽቢት ዝግበረሉ ሓድሽ እማመ ኣቕሪባ ኣላ።

ኣብዚ ብውሽጣዊ ቅልውላውን ምትእትታው ጎረባብቲ ሃገራትን ዘይረገአ ዘሎ ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ እዘን ክልተ ግዙፍ ወተሃደራዊ ሓይሊ ዘለወን ሃገራት ጥራይ ዘይኮነ ሰራዊት ፈረንሳ እውን ከምዝርከቦ ብተደጋጋሚ ክግለጽ ጸኒሑ’ዩ።

ጂቡቲ ካብ ቻይና ንዘለዋ ዕዳ ክትከፍል እንተዘይክኢላ፣ ኣምሳያኡ ቻይና ንወደባት ጂቡቲ ከተመሓድር ከይተፍቅድ ስግኣት ዘለዋ ኣመሪካ፣ ክሳብ 2034 ዓመተምህረት ዝጸንሕ ናይ ክራይ ውዕል እዩ ዘለዋ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0