ኣመሪካ ካብ ጅቡቲ ዝተኻረየቶ ቦታ ልዕሊ ፍርቂ ቢልዮን ዶላር ዶላር ክትከፍለሉ ምዃና ተቓሊዑ

ኣመሪካ ካብ ጅቡቲ ዝተኻረየቶ ቦታ ልዕሊ ፍርቂ ቢልዮን ዶላር ዶላር ክትከፍለሉ ምዃና ተቓሊዑ

Radio Erena: May 14, 2014

US Djibouti

ኣመሪካ ነቲ ኣብ ጅቡቲ ዘለዋ ወትሃደራዊ መዓስከራት ዝኸውን ሰፊሕ መሬት ብኽራይ ንክትውንኖ ሓድሽ ውዕል ምኽታማ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ነዚ ዝቕጽል 10 ዓመታት ብድምር 630 ሚልዮን ዶላር ክትከፍለሉ ከምዝተሰማምዐት ሬድዮ ሩስያ ኣፍሊጣ።

እዚ ውዕል’ዚ ዝተኸተመ፣ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ፕረዚደንት ጅቡቲ እስማዒል ዑመር ገለ ምስ ፕረዚደንት ኣመሪካ ባራክ ኦባማ ኣብ ዋሽንግተን ድሕሪ ዘካይድዎ ርክብ ምዃኑ ዝፍለጥ።

 

ኣመሪካ ኣብ ወሽመጥ ዓደንን ኣፍደገ ቀይሕ ባሕሪ ቀዋሚ ስትራቴጂያዊ ህላዌ ከምዘድልያ ብወግዒ እትገልጾ ጉዳይ ኮይኑ፣ ነቲ ንሓያሎ ዓመታት ኣብ ጅቡቲ ብክራይ ዝወነነቶ ንወትሃደራዊ መዓስከር ዘገልግል ቦታ፣ ንዓመት 38 ሚልዮን ዶላር ትኸፍለሉ እኳ እንተነበረት፣ በዚ ሓድሽ ስምምዕ መሰረት ግና እቲ ክፍሊት ናብ 63 ሚልዮን ዶላር ንዓመት ዓብዩ ኣሎ።

ኣመሪካ ኣብ ገማግም ባሕሪ ጅቡቲ ኣብ ዝርከብ መዓስከር ለሞንየ፣ ልዕሊ 4 ሽሕ ቀዋሚ ሰራዊት ክህልዋ እንከሎ፣ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ድማ ነፈርቲ ዝስከማ መራኽብ ኵናት ኣብቲ ወደብ ከምዝጽግዓ ይፍለጥ።

ዓመታዊ 10ታት ኣሽሓት ካብን ናብን ሃገራት ኤስያንን ኤውሮጳን ኣመሪካን ንምትሕልላፍ ወሳኒ ዝኾነ ቀይሕ ባሕሪ፣ ሓያሎ ሃገራት ጸጥታ ንግዳውያን መራኽበን ንምሕላው ጭፍራ ወትሃደራውያን መራኽብ ከምዘዋፍራ ዝፍለጥ’ዩ።

ከም ኣመሪካን ፈረንሳን ዝኣመሰላ ሃገራት ግና ኣብ ኣፍደገ ቀይሕ ባሕሪ ዝኾነት ጅቡቲ፣ ቀዋሚ ወትሃደራዊ መዓስከር ብምቛም፣ ንግዳዊ ጥራይ ዘይኾነ ጂኦ ፖለቲካዊ ረብሓታትን ኣብ ምሕላው ይርከባ።

ኣመሪካ ነቲ ገማግም ባሕሪ ጅቡቲ ዝርከብ መዓስከር ለሞንየን፣ ንዝቕጽል 10 ዓመታት ናይ ክራይ 630 ሚልዮን ዶላር ንምኽፋል ክትሰማማዕ እንከሎ፣ ኣብ መንጎ ጅቡትን ፈረንሳን ዘሎ ውዕል ግና ብንጹር ኣይፍለጥን’ዩ።

ከም ኢራን፣ እስራኤልን ሩስያን ዝኣመሰላ ሃገራት’ውን ኤርትራ ኣብ እትርከበን ከባቢ ቀይሕ ባሕሪ ቀዋሚ ወትሃደራዊ መዓስከር ንኽህልወን ስምምዓት ንምክያድ ከምዝጽዕራ’ዩ ዝንገር።

=============================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0