ሊብያ፣ ብዋሕዚ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ስደተኛታት ተማርር

ሊብያ፣ ብዋሕዚ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ስደተኛታት ተማርር

Radio Erena: May 13, 2014

Libya Minister

ሊብያ ካብ ሕብረት ኤውሮጵ ህጹጽ ሓገዝ እንተዘይረኺባ፣ ስደተኛታት ናብ ኤውሮፓንምስጋር ክትፍንዎም ምዃና ኣጠንቒቓ።

ሊብያ ነዚ መጠንቐቕታ ተቕርብ ዘላ፣ ካብ ሃገራት ኣፍሪቃ ናብ ኤውሮጳ ንምስጋር ዝሓለኑ 10ታት ኣሽሓት ስደተኛታት ናብ ሊብያ ይውሕዙ ኣብ ብምህላዎም’ዮም።

ሕብረት ኤውሮጳ፣ ነዚ ካብ ሃገራት ኣፍሪቃ ናብ ሊብያ ዝርአ ዘሎ ዋሕዚ ስደተኛታት ንምግታእ ምስ መንግስቲ ሊብያ ህጹጽ ምትሕግጋዝ እንተዘይገይሩ ድማ፣ ሊብያ ነቶም ስደተኛታት ናብ ኤውሮጵ ንምስጋር ናጻ ክትፍንዎም ምዃና ግዝያዊ ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት እታ ሃገር ሳልሕ ማዘቕ ንማዕከናት ዜና ገሊጹ።

 

ኣብዘን ዝሓለፋ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ጥራይ ኣሽሓት ኤርትራውያን ዝርከብዎም 22 ሽሕ ስደተኛታት ናብ ገማግም ባሕሪ ኢጣልያ ከምዝሰገሩ ዝጠቐሳ ማዕከናት ዜና ድማ፣ ክልተ ዕጽፊ ናይዚ ዝተጠቕሰ ኣሃዝ ድማ ኣብ ሊብያ ከምዘሎ ሓቢሮም።

ብማእከላይ ባሕሪ ዝፍጸም ዘሎ ዋሕዚ ስደተኛታት ሃገራት ኣፍሪቃ ናብ ኢጣልያ ካብ ኣማኢት ናብ ኣሽሓት ተሰጋጊሩ ከምዘሎ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ኢጣልያ ብወገና ካብ ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ ህጹጽ ሓገዝ ትሓትት ኣላ።

ሊብያን ኢጣልያን እተን ቀንዲ ኣፍደገ ናብ ሃገራት ኤውሮጳ ብምዃነን፣ ግዳያት ዋሕዚ ስደተኛታት ኮይነን ምህላወን ብቀጻሊ የማርራ።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0