ኣመሪካ ኣብ ኣፍሪቃ ዘሎ ቁጽሪ ሰራዊታ ከተጉድሎ’ያ

ኣመሪካ ኣብ ኣፍሪቃ ዘሎ ቁጽሪ ሰራዊታ ከተጉድሎ’ያ

Radio Erena: 18 November 2018

djibouti_us_soldiersሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ ኣፍሪቃ ኣዋፊራቶ ዘላ ቁጽሪ ሰራዊታ ከተጉድሎ ምዃና ካብ ፐንታጎን ዝተመሓላለፈ ዜና ኣመልኪቱ።

ልዕሊ 7 ሽሕ ቁጽሪ ዘለዎ ሰራዊት ኣመሪካ ኣብ ኣፍሪቃ ተዋፊሩ ከምዘሎ ዝሓበረ እቲ ናይ ፐንታጎን መግለጺ፣ እታ ሃገር ኣንጻር ሽበራ እትገብሮ ቃልሲ ኣብ ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ኣብ ጸጥታዊ ሓበሬታ ምልውዋጥ ጥራይ ከምዘተኩር ኣፍሊጡ።

እዚ ኣብዚ ዝቕጽል ሰለስተ ዓመታት ክካየድ ተወጢኑ ዘሎ ምስሓብ ሰራዊት፣ ነቶም ኣብ ጂቡቲን ሶማልን ዘለዉ ወተሃደራት ከምዘየጠቓልል ይግለጽ።

ኣብ ኬንያ፣ ካሜሩን፣ ማሊን ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃ ዝርከብ ሰራዊት ኣመሪካ ኣብ ዝሰሓበሉ እዋን፣ ኣብ ጂቡቲን ሶማልን ዘሎ ሰራዊት ግና ኣብ ዘለዎ ክጸንሕ ዝተወሰነሉ ምኽንያት፣ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ገና ኣይረገአን ክብል’ዩ ቤት ጽሕፈት ምክልኻል ኣመሪካ ምኽንያት ዝህበሉ።

እቲ ዝዓበየ ምኽንያት ምስሓብ ሰራዊት ኣመሪካ ካብ ኣፍሪቃ ግና፣ ካብ ሩስያን ቻይናን ዝመጽእ ዘሎ ጸጥታዊ ስግኣት እንዳዓበየ ስለዝመጸ’ዩ፣ ክብሉ’ዮም ወተሃደራውያን ክኢላታት ዝትንትኑ።

ኣመሪካ ኣብ ጂቡቲ ጥራይ ልዕሊ 4 ሽሕ ሰራዊት ክህልዋ እንከሎ፣ ኣብ ሶማልን ሊብያን እውን ብርክት ዝበለ ቁጽሪ ዘለዎ ሰራዊት ከምዘዋፈረት’ዩ ዝንገር።

====================== 

COMMENTS

WORDPRESS: 0