ኣመሪካ ኣብ ሶማል ዝርከብ ኤምባሲኣ ዳግማይ ትኸፍት

ኣመሪካ ኣብ ሶማል ዝርከብ ኤምባሲኣ ዳግማይ ትኸፍት

Radio Erena: 09 December 2018

mogadishu2ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ ሶማል ዝርከብ ኤምባሲኣ ዳግማይ ከፊታቶ።

ምንጭታት ዜና ካብ ከተማ ሞቓድሾ ኣብ ዝፈነዉዎ ሓበሬታ፣ እዚ ድሕሪ 28 ዓመታት ዝኽፈት ዘሎ ኤምባሲ ኣመሪካ፣ ሓያል ዲፕሎማስያዊ ዕማም ይጽበዮ ከምዘሎ ኣመልኪቶም።

ኣቐዲሙ ኣብ ናይሮቢ፣ ኬንያ ቤት ጽሕፈቱ ሰሪቱ ዝነበረ ኣምባሳደር ዶናልድ ያማሞቶ፣ ናብ ከተማ ሞቓድሾ ብምግዓዝ ነቲ ኤምባሲ ክመርሖ’ዩ።

ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ኣመሪካ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፣ ምኽፋት’ዚ ኤምባሲ ኣብ ሞቓድሾ፣ መንግስቲ’ታ ሃገር ሰላምን ጸጥታን ኣብ ምስፋን ንዘካየዶ ጻዕርን ዓወታትን ምልክት እዩ ክብል ገሊጹዎ።

ኣብ 1991 ኲናት ሓድሕድ ሶማል ኣብ ዝጸንከረሉ እያ ኣመሪካ ኤምባሲኣ ዓጽያ ጠቕሊላ ዲፕሎማስያዊ ርክብ ኣቋሪጻ።

ፕረዚደንት ትራምፕ ናብ ስልጣን ምስ መጽአ፣ ግብረሽበራውያን ንምህዳን ድርብ መጥቃዕታት ክግበር ኣለዎ ዝብል ትእዛዝ ካብ ዘመሓላልፍ ጥራይ፣ ኣመሪካ ኣብ ሶማል ልዕሊ 25 ናይ ነፈርትን ሰብ ኣልቦ ነፈርቲን መጥቃዕታት ኣካዪዳ ኣላ።

==================== 

COMMENTS

WORDPRESS: 0