ኣመሪካ ኣብ መጎዓዝያ ሰራዊትን ኣጽዋርን እተገልግል ዓባይ ነፋሪት ንኢትዮጵያ ብሓገዝ ሂባ

ኣመሪካ ኣብ መጎዓዝያ ሰራዊትን ኣጽዋርን እተገልግል ዓባይ ነፋሪት ንኢትዮጵያ ብሓገዝ ሂባ

Radio Erena: 24 February 2015

c130

ኣመሪካ፣ ኣብ ምጉዕዓዝ ሰብን ኣጽዋርን እተገልግል ሲ-130 ሄርኩለስ ዝዓይነታ ዓባይ ወትሃደራዊት ነፋሪት ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ብሓገዝ ከምዝሃበት ዘ ሪፖርተር ዝተባህለት ጋዜጣ ሓቢራ።

እታ ነፋሪት ድሮ ኣብ ቢሾፍቱ ኣብ ዝርከብ መዓርፎ ነፈርቲ ከምዝኣተወትን ኣብ መበል 15 ስኳድሮን ናይቲ ሓይሊ ኣየር ተመዲባ ምህላዋን’ውን ተፈሊጡ።

እታ ጋዜጣ ካብ ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ብዘረጋገጸቶ ሓበሬታ መሰረት፣ መንግስቲ ኣመሪካ ነታ ሄርኩለስ ዝዓይነታ ዓባይ ናይ መጓዓዝያ ነፋሪት ብሓገዝ ከምዘበርከተት ብምጥቃስ፣ ኣብቲ ኢትዮጵያ ኣብ ምዕቃብ ሰላም እተዋፍሮ ሰራዊትን ኣጽዋርን ኣብ ምንቕስቓስ ክትነጥፍ’ያ።

 

ኣመሪካ ኣብ 1998 ንኢትዮጵያ ኣርባዕተ ንኤርትራ ድማ ክልተ ሄርኩለስ ዝዓይነተን ነፍርቲ ብሓገዝ ክትህብ ምዃና ሓቢራ ምንባራ ዘመልከተት እታ ጋዜጣ፣ ኣብ መንጎ እዘን ጎረባብቲ ሃገራት ብዝተወልዐ ኵናት ግና ኢትዮጵያ ካብተን ናብኣ ዝተመደባ ኣርባዕተ ነፈርቲ እተን ክልተ ጥራይ’ያ ክትርከበን ክኢላ።

ሓንቲ ካብተን ብኣመሪካ ዝተለገሳላ ሲ-130 ዝዓይነተን ነፈርቲ ዓሚ ብዘጋጠማ ሓደጋ ከምዝተሃሞኸት ንዓኣ ንምትካእ ድማ ኣመሪካ ነዛ ሓዳስ ሄርኩለስ ከምዝሃበታን እቲ ጸብጻብ የመልክት።

ካብ ናይ ኢትዮጵያ ዜና ከይወጻእና፣ ኣብ ሃዋሳ፣ ኣዲስ ገበያ ተባሂሉ ኣብ ዝጽዋዕ ናይ ዕዳጋ ቦታ ጠንቁ ዘይተፈልጠ ባርዕ ኣብ ሰብን ንብረትን ጉድኣት ከምዘውረደ ተገሊጹ።

በቲ ባርዕ፣ ብውሕዱ ሸውዓተ ሰባት ክሞቱ እንከለዉ፣ ኣብቲ ከባቢ ዝነበረ ናይ ንግዲ ትካላት ምሉእ ዕንወት ከምዝወረዶ’ውን ምንጭታት ዜና ካብታ ከተማ የመልክቱ።

ሃዋሳ ካብ ኣዲስ ኣበባ 270 ኪሎሜተር ንደቡብ ርሒቓ’ያ ትርከብ።
=========================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0