ኣመሪካ ንኢትዮጵያን ኬንያን ናይ 169 ሚልዮን ዶላር ሓገዝ ሂባ

ኣመሪካ ንኢትዮጵያን ኬንያን ናይ 169 ሚልዮን ዶላር ሓገዝ ሂባ

Radio Erena: 06 August 2017

ethio derqi       ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፣ ኣብ ኢትዮጵያን ኬንያን ንሰብኣዊ ረዲኤት ዝውዕል ናይ 169 ሚልዮን ዶላር ሓገዝ ለጊሳ።

      ምምሕዳር ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ብሓሙስ ዕለት 3 ነሓሰ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፣ ብደርቂ ተጠቒዐን ዘለዋ ኢትዮጵያን ኬንያን ህጹጽ ተወሳኺ ረዲኤት ከምዘድልየን ብምእማት፣ ነቲ ሓገዝ ክስልዖ ከምዝወሰነ ኣፍሊጡ።

 

       ዩ.ኤስ.ኤይድ ብወገኑ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ካብቲ ዝተለገሰ ሓገዝ፣ ልዕሊ 136 ሚልዮን ዶላር ንኢትዮጵያ ክወሃብ እንከሎ፣ ከባቢ 33 ሚልዮን ዶላር ከኣ ህጹጽ ናይ መግቢ ረዲኤት ንዘድልዮ ህዝቢ ኬንያ ከምዝውዕል ኣፍሊጡ።

         ዩ.ኤስ.ኤይድ ብተወሳኺ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ከባቢ 8 ሚልዮን ህዝቢ ብደርቂ ተጠቒዑ ስለዝርከብ፣ ብዘይ’ዚ ዝልገስ ዘሎ ሓገዝ፣ እቲ ደርቂ ከስፋሕፍሕ፣ ከቢድ ጉድኣት ኣብ ህይወት ሰብን ጥሪትን ከውርድን፣ ስድራቤታት ናይ ምምዝባል ሳዕቤን ከኸትል ከምዝኽእልን ኣፍሊጡ።

        ኣብ ኬንያ ብተመሳሳሊ ከባቢ 2.6 ሚልዮን ሰባት ደርቂ ብዘስዓቦ ዋሕዲ መግቢ ይሳቐዩ ምህላዎም ይፍለጥ።

        ኣብዚ ዓመት’ዚ ጥራይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፣ ምስዚ ሕጂ ዝልገስ ዘሎ ገንዘብ ሓዊስካ፣ ንኢትዮጵያን ኬንያን ጥራይ ናይ 458 ሚልዮን ዶላር ሓገዝ ለጊሳ ኣላ።

       ኣብ ናይጀሪያ፣ ሶማልያ፣ ደቡብ ሱዳንን የመንን ኣብ ሰብኣዊ ረዲኤት ዝውዕል እውን ኣመሪካ ናይ 640 ሚልዮን ዶላር ሓገዝ ሂባ’ያ።

       ዩ.ኤስ.ኤይድ ኣብ መወዳእታ፣ ኣብ ሓያሎ ሃገራት ኣፍሪቃ ተኸሲቱ ዘሎ ደርቂ ኩነታት ኣየር ዘስዓቦ ጥራይ ዘይኮነ፣ ዘይቅርዑይ ምሕደራን ውግእ ሓድሕድን እውን ከቢድ ናይ ደርቂ፣ ምምዝባል ስድራቤታትን ሰብኣዊ ቅልውላውን የኸትል ምህላዉ ኣመልኪቱ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0