ኣመሪካ ንሱዳን ንዝገሹ ዜጋታታ መጠንቀቕታ ብምትሕልላፋ፣ ኣብ ሰበስልጣን ሱዳን ቁጠዐ ፈጢሩ

ኣመሪካ ንሱዳን ንዝገሹ ዜጋታታ መጠንቀቕታ ብምትሕልላፋ፣ ኣብ ሰበስልጣን ሱዳን ቁጠዐ ፈጢሩ

Radio Erena: 22 October 2017

state depኣመሪካ ንሱዳን ንዝገሹ ዜጋታታ መጠንቀቕታ ብምትሕልላፋ፣ ኣብ ሰበስልጣን ሱዳን ቁጠዐ ፈጢሩ ከምዘሎ፣ ካብታ ሃገር ዝተመሓላለፈ ዜና ኣመልኪቱ።

ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ኣመሪካ ብሓሙስ 19 ጥቅምቲ ኣብ ዘውጸኦ መጠንቀቕታ፣ ሓያሎ ከተማታት ሱዳን ሽበራዊ መጥቃዕቲ ክካየደለን ተኽእሎ ስለዘሎ፣ ናብ ሱዳን ዝገሹ ኣመሪካውያን ክቑጠቡ፣ እንተዘይኮይኑ ከኣ ፍሉይ ጥንቃቐ ክወስዱ ኣተሓሳሲቡ።

ወሃብ ቃል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን ጋሪበላህ ኸድር ኣብ ዝሃቦ ቃል፣ ኣመሪካ ዘውጸኣቶ መጠንቀቕታ፣ ‘መንግስቲ ሱዳን ጸጥታን ውሕስነትን ሃገሩ ከኽብር ዓቕሚ የብሉን’ ዝብል መልእኽቲ ከምዘመሓላልፍ ድሕሪ ምግላጽ፣ ነቲ መጠንቀቕታ ክትስሕቦ ጸዊዑ።

ንሱ ብተወሳኺ መንግስቲ ሱዳን ዝምድና ክልቲኤን ሃገራት ኣብ ምምሕያሽ ኣበርቲዑ ኣብ ዝሰርሓሉ ዘሎ እዋን፣ ከምዚ ዓይነት ዕንቅፋታት ክፍጠር ድሌት መንግስቱ ከምዘይኮነ ኣፍሊጡ።

እዚ ናይ ጉዕዞ መተሓሳሰቢ ዝወጽእ ዘሎ፣ መንግስቲ ሱዳን ጸጥታን ውሕስነትን ሃገሩ ካብ ዝኾነ ይኹን እዋን ንላዕሊ ኣውሒሱሉ ኣብ ዘሎ እዋን፣ ከምኡ’ውን ምስ ጎረባብትን መሻርኽቲ ሃገራትን ብምትሕብባር ኣንጻር ግብረ ሽበራ ኣብ ዝቃለሰሉ እዋን ምዃኑ ክዝከር ይግባእ ክብል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን ዘለዎ ዘይዕጋበት ገሊጹ።

ኣብ መጀመሪያ ናይ’ዚ ወርሒ’ዚ ምምሕዳር ኣመሪካ፣ ን20 ዓመታት ኣብ ልዕሊ ሱዳን ኣጽኒዑዎ ዝጸንሐ ቁጠባዊ ማዕቀብ ከልዕሎ እንከሎ፣ እቲ ዝተረፈ እገዳታት ክለዓለሉ እውን መንግስቲ ሱዳን ሓያሎ ዲፕሎማስያዊ ጻዕርታት ከካይድ ጸኒሑ’ዩ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0