ኣመሪካ፣  C-130E ዝዓይነታ ወትሃደራዊት ናይ መጓዓዝያ ነፋሪት ንኢትዮጵያ ለጊሳ

ኣመሪካ፣ C-130E ዝዓይነታ ወትሃደራዊት ናይ መጓዓዝያ ነፋሪት ንኢትዮጵያ ለጊሳ

Radio Erena: 19 June 2018

C 130

ምምሕዳር ትራምፕ፣ ኣስታት 11 ሚልዮን ዶላር ዝዋግኣ፣ C-130E ሄርኩለስ ዝዓይነታ ወትሃደራዊት ናይ መጓዓዝያ ነፋሪት ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ብሓገዝ ሂቡ።

እታ ኣብ ምጉዕዓዝ ወትሃደራትን ንብረትን እተገልግል፣ ገዛፍ ነፋሪት፣ ዝሓለፈ ሰሙን ናብ ኢትዮጵያ ከምዝተረከበት ኤምባሲ ኣመሪካ ካብ ኣዲስ ኣበባ ኣረጋጊጹ።

ኣመሪካ፣ ኣብ 2014’ውን ተመሳሳሊ ነፋሪት ንኢትዮጵያ ብሓገዝ ምሃባ ይዝከር።

እዘን ኣመሪካ ብሓገዝ ሂባተን ዘላ ወትሃደራውያን ናይ ጽዕነት ነፈርቲ፣ ኢትዮጵያ ኣብ ሶማል ኣብ እተካይዶ ዘላ ወትሃደራዊ ተልእኾ ኣብ ምምልላስ ሰራዊትን ንብረትን ክሕግዛ ምዃነን እቲ ሓበሬታ ይጠቅስ።

ኣምባሳደር ኣመሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ሚካኤል ራይኖር፣ እታ ነፋሪት ንሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ዝተረከበትሉ ኣጋጣሚ ኣብ ዝሃቦ ቃል፣ እቲ ህያብ ጥቡቕ ዝምድና ኣመሪካን ኢትዮጵያን ዘመልክት’ዩ ክብል ገሊጹ።

ኢትዮጵያ ካብ እዋን ናይ ኮርያ ውግእ ኣትሒዛ ኣብ ምዕቃብ ሰላም ንእትገብሮ ተሳትፎ ድሕሪ ምንኣድ፣ እዛ ተለጊሳ ዘላ ነፋሪት’ውን ኣብዚ መዓላ’ዚ ክትውዕል ዘለዎ እምንቶ ገሊጹ።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0