ኢትዮጵያ፣ ንሞት ዝተፈርዱ 40 እሱራት ብምሕረት ፈቲሖም

ኢትዮጵያ፣ ንሞት ዝተፈርዱ 40 እሱራት ብምሕረት ፈቲሖም

Radio Erena: 19 June 2018

prisoners in ethiopia

መንግስቲ ኢትዮጵያ ንሞት ዝተፈርዶም 40 እሱራት ዝርከብዎም ልዕሊ 300 ሰባት ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ ብምሕረት ምፍትሑ ማዕከናት ዜና ካብ ኣዲስ ኣበባ ሓቢረን።

እቲ መንግስቲ፣ ነዞም ቅትለት ዝርከቦ ዝተፈላለየ ከበድቲ ገበናት ዝፈጸሙ እሱራት ዝፈትሕ ዘሎ፣ መቐጸልታ ናይቲ ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ዕርቅን ሰላምን መስርሕ ንምስልሳል ዝተኣወጀ ናይ ፖለቲካን ካልእ ገበናትን እሱራት ብምሕረት ናይ ምፍታሕ ውሳኔ’ዩ።

ኣብ ተመሳሳሊ ዜና፣ መንግስቲ ጅቡቲ፣ ኣብታ ሃገር ብዝተፈላለየ ገበናት ተኣሲሮም ዝጸንሑ 45 ዜጋታት ኢትዮጵያ ብምሕረት ከምዝፈትሐ ተሓቢሩ።

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፣ እቶም ብመንግስቲ ጅቡቲ ብምሕረት ክፍትሑ ተወሲንሎም ዘሎ ዜጋታት ኢትዮጵያ፣ ዝተፈላለየ ገበናት ብምፍጻሞም ካብ ሓደ ዓመት ክሳብ 10 ዓመታት ክእሰሩ ዝተፈርዱ’ዮም።

መንግስቲ ጅቡቲ ከም መርኣያ ናይቲ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዘለዎ ጽቡቕ ዝምድና’ዩ ብምኽንያት ዒድ ኣል ፈጥር ነዞም ኣብ ማእሰርቲ ዝጸንሑ ኢትዮጵያውያን ብምሕረት ዝፈትሕ ዘሎ።

ኣቐዲሙ’ውን ናብ ሃገራት ዓረብ ንኸይሰግሩ ኣብ ጅቡቲ ተዓጊቶም ዝጸንሑ ኣስታት 360 ኢትዮጵያውያን ናብ ሃገሮም ከምዝተመልሱ መግለጺ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ የመልክት።
=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0