ኣመሪካ፣ ኤርትራ ካብ እትርከበን 38 ሃገራት ኣፍሪቃ ንዝመጹ ተማሃሮ ዝወሃብ ቪዛ ካብ 2 ዓመት ክሓልፍ ከምዘይብሉ ወሲና

Radio Erena: 28 September 2020

ምምሕዳር ትራምፕ፣ ኤርትራ ካብ እትርከበን 38 ሃገራት ኣፍሪቃ ንዝመጹ ተማሃሮ ዝወሃብ ቪዛ ካብ 2 ዓመት ክሓለፍ ከምዘይብሉ ወሲኑ።

እቲ ምምሕዳር፣ በዚ ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ ዘውጽኦ ሓድሽ ውሳኔ፣ ብሓፈሻ፣ ብደረጃ ዓለም 59 ሃገራት’የን ተጸልየን።

እተን 38 ሃገራት፣ ኤርትራ፣ ሱዳን፣ ኢትዮጵያ፣ ጂቡቲን ዝርከብአን ሃገራት ኣፍሪቃ ክኾና እንከለዋ እተን ዝተረፋ ድማ ከም ሮማንያ ዝኣመሰላ ሃገራት ምብራቕ ኤውሮጳ፣ ኤስያን ላቲን ኣመሪካን’የን።

ምምሕዳር ትራምፕ፣ ናብ ኣመሪካ ዝመጹ ተማሃሮ እዘን ሃገራት ዝወሃቦም ቪዛ ኣብ 2 ዓመት ጥራይ ክሕጸር ዝወሰነሉ ምኽንያት፣ ምስ ሽበራ፣ ምስ ምምላስ ስደተኛታት ዘይምትሕብባርን ካልእን ምዃኑ’ዩ ተጠቒሱ።

እቲ ናይ 2 ዓመት ቪዛ፣ ኩነታት ተማሃሮ ተጸኒዑ ንተወሳኺ ክልተ ዓመት’ውን ክናዋሕ ከምዝኽእል’ዩ ተመልኪቱ።

ካብ ኣመሪካ ንዝስጎጉ ኤርትራውያን ናብ ዓዶም ንኸይምለሱ መንግስቲ ኤርትራ ምትሕብባር ሓንጊዱ ብዝብል፣ ምምሕዳር ትራምፕ ኣብ ዝተፈላለየ ዓይነታት ቪዛ እገዳ ኣጽኒዑ ከምዘሎ’ውን ዝፍለጥ’ዩ።

================

COMMENTS

WORDPRESS: 0