ኣብ የመን ተዓጊቶም ዝጸንሑ ኣስታት 2 ሽሕ ስደተኛታት ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ናብ ጂቡቲ ተመሊሶም

Radio Erena: 28 September 2020

ኣብ የመን ተዓጊቶም ዝጸንሑ ኣስታት 2 ሽሕ ስደተኛታት ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ናብ ጂቡቲ ከምዝተመልሱ ኣህጉራዊ ማሕበር ስደተኛታት (IOM) ኣፍሊጡ።

እቶም ዝሓለፈ ሰሙን ናብ ጂቡቲ ተመሊሶም ዘለዉ ስደተኛታት ዜጋታት ኢትዮጵያ፣ ሶማልን ኤርትራን ኮይኖም፣ ክሳብ 8 ዓመት ዝዕድሚኦም ቆልዑ’ውን ከምዝርከብዎም መግለጺ እቲ ኣህጉራዊ ትካል ጠቒሱ።

እዞም ናብ ጂቡቲ ተመሊሶም ዘለዉ ዜጋታት ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ኣብ ውሸባ ኣትዮም፣ መርመራ ኮረና ቫይረስ ይካየደሎም ከምዘሎ ሚኒስትሪ ጥዕና እታ ሃገር ኣገንዚቡ።

መብዛሕቶም ዜጋታት ኢትዮጵያን ሶማልን ዝኾኑ ኣሽሓት ስደተኛታት፣ ናብ ስዑዲ ዓረብ ንምስጋር ሓሊኖም፣ ብመንገዲ ገማግም ባሕሪ ጂቡቲ ናብ የመን ድሕሪ ምእታዎም፣ ኣብታ ሃገር ኣብ ዝካየድ ዘሎ ግጭት ተቐርቒሮም፣ ኣብ ከቢድ ሓደጋ’ዮም ጸኒሖም።

ብዙሓት ካብኣቶም፣ ብዝተፈላለዩ ጉጅለታት የመን ኣብ ዝመሓደር ኣብያተ ማእሰርቲ ተዳጕኖም፣ ካብ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ሓገዝ ክሓቱ ዝጸንሑ’ዮም።

ኣህጉራዊ ማሕበር ስደተኛታት ብዘቕረቦ ሰነድ መሰረት፣ ኣብዚ ዝሓለፈ ሒደት ኣዋርሕ፣ ካብ የመንን ናብ የመን ንምስጋር ኣብ ጂቡቲ ተታሒዞም ዝጸንሑን ልዕሊ 8 ሽሕ ኢትዮጵያውያን፣ ናብ ዓዶም ተመሊሶም ኣለዉ።

==============

COMMENTS

WORDPRESS: 0