ኣመሪካ፣ ኣብ ጅቡቲ ዘለዋ ወትሃደራዊ መዓስከር ንምስፋሕ ትውጥን

ኣመሪካ፣ ኣብ ጅቡቲ ዘለዋ ወትሃደራዊ መዓስከር ንምስፋሕ ትውጥን

Radio Erena: 08 November 2017

Djibouti US

ኣመሪካ ኣብ ጅቡቲ ዘለዋ ወትሃደራዊ መዓስከር ንምስፍሑ ሓያሎ መደባት ከምዘለዋ ተገሊጹ።

እዚ ዝተገልጸ፣ ኣብ ህንጻ ስራሓት ንዝተዋፈራ ትካላት ኣመሪካ ኣብ 2015 ምስ ጅቡቲ ንዝኸተምኦ ውዕላት ንምሕዳስ ብ5 ሕዳር፣ ኣብ መዓስከር ለሞንየ ኣብ ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት’ዩ።

እቲ ‘ቀዳምነት ንጅቡቲ’ ዝተሰምየ ናይ ኣመሪካ ውጥን፣ ኣብ ጅቡቲ ኣብ ወትሃደራዊ ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ቁጠባን ምትሕግጋዝን ዘተኮረ መደባት ምትእትታው ምዃኑ ኣዛዚ እቲ ኣብ ጅቡቲ ዝርከብ መዓስከር ኣመሪካ ካፕተይን ናንሲ ላኮር ኣብቲ ኣጋጣሚ ገሊጹ።

ጅቡቲ ብዘለዋ ስትራቴጅያዊ ኣቐማምጣ ንኣመሪካ ኣዝያ ኣዳሲት ኣብ ርእሲ ምዃና፣ ኣመሪካ ኣብ ኣፍሪቃ ዘለዋ እንኮ ወትሃደራዊ መዓስከር ኣብዛ ሃገር ከተቅውም ምኽኣላ ንመንግስትን ህዝብን ጅቡቲ ኣመስጊኑ።

ኣብዚ ናይ ኣመሪካ መደብር ዓመታዊ ኣስታት 10 ሚልዮን ዶላር ይባኽን ከምዘሎ ብምሕባር ንኣስታት 1 ሽሕ ዝኾኑ ዜጋታት ጅቡቲ’ውን ናይ ስራሕ ዕድል ፈጢሩ ከምዘሎ’ውን እቲ ኣዛዚ መዓስከር ሓቢሩ።

ፈጻሚ ጉዳያት ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ጅቡቲ ብወገኑ፣ ኣብ ዓመተ 2016 ኣመሪካ ኣብ ቁጠባ ጅቡቲ 200 ሚልዮን ዶላር ኣበርክቶ ከምዝገበረት ብምጥቃስ፣ እቲ መደብ ክቕጽል ምዃኑ ኣፍሊጡ።

ኣብቲ ኣጋጣሚ ዝተረኽበ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ጅቡቲ መሓመድ ዓሊ ዮሱፍ ብወገኑ፣ ጅቡቲ ንተወሳኺ መደባት ልምዓት ኣመሪካ ድልውቲ ምህላዋ ኣገንዚቡ።

ኣብቲ ንዝምድና ጅቡቲን ኣመሪካን ብምትኳር ዝተኻየደ መደብ፣ ፕረዚደንት ጅቡቲ እስማዒል ዑመር ጉለ’ውን ተረኺቡ ምንባሩ ተሓቢሩ።

===========================

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0