ኣመሪካ፣ ኣብ የመን ጽዑቕ ደብዳብ ነፈርቲ ምክያዳ ገሊጻ

Radio Erena: 06 April 2017

Drone

ኣመሪካ ካብ መወድእታ ወርሒ ለካቲት ክሳብ መጀመርያ ወርሒ ሚያዝያ ኣብ ዘሎ ግዜ ጽዑቕ ናይ ነፈርቲ ደብዳብ ከምዘካየደት ክፍሊ ምክልኻል እታ ሃገር ኣፍሊጡ።

ኣፈኛ እቲ ክፍሊ ካፕቴን ጀፍ ዳቪስ ብዝሃቦ መግለጺ መሰረት፣ ኣብዚ ዝተጠቕሰ ግዜ ጥራይ ኣመሪካ ልዕሊ 70 ናይ ነፈርቲ ደብዳብ ከምዘካየደት CNNኣረጋጊጹ።

እዚ ድማ እታ ሃገር ኣብ ዝሓለፈ ምሉእ ዓመት ካብ ዘካየደቶ ደብዳብ ነፈርቲ ብክልተ ዕጽፊ ከምዝዛይድ’ዩ ተሓቢሩ።

እቲ ኣብ ዝተፈላለየ ዒላማታት ዘነጻጸረ ደብዳብ፣ ዘውረዶ ዕንወት ዛጊት ኣይተሓበረን።

ይኹን’ምበር ኣብ ሰለማውያን ሰባት ከቢድ ጉድኣት ኣስዒቡ ከምዘሎ ምንጭታት ዜና ካብ የመን የመልክቱ።

ምምሕዳር ትራምፕ፣ ኣብ የመን ንዝንቀሳቀሱ ኣባላት ጉጅለ ኣልቓዒዳ ንምህዳን ብኮማንዶ ኣጋር ሰራዊትን ዝፈተኖ ስርሒት ድሕሪ ምፍሻሉ፣ ብሰብ ኣልቦ ነፈርትን ካብ መራኽብ ኵናት ዝብገሳ ነፈርቲ ኵናትን ጽዑቕ ደብዳብ ክካየድ ከምዝኣዘዘ ወትሃደራውያን ምንጭታት ይጠቕሱ።

ኣዘዝቲ ሰራዊት ኣመሪካ፣ ብዛዕባ ኣብ የመን ዝካየድ ዘሎ ኵናት ንኣመሪካ ዝህልዎ ጽልዋን ብዝምልከት ክዛተዩ ከምዝቐነዩ ዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና’ታ ሃገር ይሕብራ።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0