ሆላንድ፣ ፖለቲካዊ ዑቕባ ሓቲቶም ክነሶም ናብ ዓዶም ንዝመላለሱ ኤርትራውያን ናይ ዑቕባ መሰሎም ከተሕድግ ምዃና ተጠንቕቕ

Radio Erena: 05 April 2017

Holand Er

ኣብ ሆላንድ ፖለቲካዊ ዑቕባ ሓቲቶም ክነሶም ናብ ዓዶም ንዝመላለሱ ኤርትራውያን ናይ ዑቕባ መሰሎም ከሕድግ ምዃኑ መንግስቲ እታ ሃገር ኣጠንቒቑ።

መደበር ቴሌቪዥን እታ ሃገር WNL ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዘቕረበቶ ጸብጻብ፣ ዑቕባ ዝሓተቱ ኤርትራውያን ዝተፈላለየ ሜላታት እናተጠቕሙ ንኽዛወሩ ናብ ዓዶም ከምዝምለሱ ጠቒሳ።

ሚኒስተር ፍትሕን ድሕነትን እታ ሃገር ክላስ ሀንሪከስ ደመኒከስ ድየኮፍ ብዛዕ’ዚ ኣመልኪቱ ኣብ ሃቦ መብርሂ፣ ዑቕባ ዝተዋህቦም ኤርትራውያን ናብ ዓዶም ይመላለሱ ምህላዎም ይሕበር እኳ እንተኾነ፣ ብመርትዖ ክረጋገጽ እንተኽኢሉ ግና ናይ ዑቕባ መሰሎምን መንበሪ ፍቓዶም ክሕደጉ ምዃኖም ኣረጋጊጹ።

ፖለቲካዊ ዑቕባ ተዋሂብዎም ከብቕዑ ብምኽንያት መርዓ፣ ፌስቲቫልን ካልእን ናብ ኤርትራ ክመላለሱ ንዝጸንሑ ኤርትራውያን ተሪር ስጉምቲ ክትወስድ ዝጀመረት ሃገር ስዊዘርላንድ’ያ።

ስዊዘርላንድ ናብ ኤርትራ ክመላለሱ ከምዝጸንሑ ብመርትዖ ንዝሓዘቶም ብውሕዱ ሸውዓተ ኤርትራውያን ናይ ዑቕባ መሰሎም ከምዘሕደገቶም ጸብጻባት እታ ሃገር የመልክቱ።

እታ ሃገር ንመጽኢ’ውን ተመሳሳሊ ስጉምቲ ክውሰደሎም ንዝኽእል ኤርትራውያን መጽናዕቲ ብ ምክያድ’ያ ትርከብ።

ከም ነርወይን ዝኣመሰላ ካልኦት ሃገራት ኤውሮጳ’ውን፣ ፖለቲካዊ ዑቕባ ሓቲቶም ክነሶም ናብ ዓዶም ንዝመላለሱ ኤርትራውን ተመሳሳሊ ስጉምቲ ክወስዳ ምዃነን’የን ዘጠንቕቓ።

ኣብ ሃገራት ኤውሮጳ ፖለቲካዊ ዑቕባ ዝሓተቱ ሓያሎ ኤርትራውያን፣ ኣብ ኤምባሲታት ኤርትራ ናይ ጣዕሳ ፎርም ብምምላእን ክልተ ካብ ሚእቲ ካብ ኣታዊታቶም ብምኽፋልን ብመንገዲ ሱዳንን ካልኦት ሃገራትን እናገበሩ ናብ ኤርትራ ክመላለሱ ይርኣዩ’ዮም።

ብመሰረት ውሳኔ ውዕል ጀኔቫ፣ ካብ መበቆል ሃገሩ ሃዲሙ ፖለቲካዊ ዑቕባ ዝሓተተት ሰብ፣ ናብ መበቆል ዓዱ ክምለስ እንተኽኢሉ ወይ ከኣ ምስ ኤምባሲ ናይ መበቆል ዓዱ ርክብ እንተመስሪቱ ናይ ዑቕባ መሰሉ ከምዝሕደግ’ዩ ዘዘኻኽር።

 

==========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0