ኣመሪካ፣ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣንጸላልዩ ንዘሎ ሓደጋ ደርቂ ንምምካት ኣስታት 1.2 ቢልዮን ዶላር ክትልግስ ተመባጺዓ

Radio Erena: 25 July 2022

ኣመሪካ፣ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ንሚልዮናት ሰባት ግዳያት ጌሩ ንዘሎ ሓደጋ ደርቂ ንምምካት 1.18 ቢልዮን ዶላር ክትልግስ ምዃና፣ ዳይረክተር USAID፣ ሳማንታ ፖወር ኣፍሊጣ።

ካብ 22 ክሳብ 25 ሓምለ፣ ኣብ ኬንያን ሶማልን ዑደት ዘካየደት ሳምንታ ፖወር፣ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብዘይካ’ቲ ኵናትን ክሊማዊ ለውጢ ዝፈጠሮ ደርቂን፣ ኣብ መንጎ ሩስያን ዩክሬይንን ዝካየድ ዘሎ ኵናትን ሰብኣዊ ቅልውላው ኣጋዲዱ ከምዘሎ ጠቒሳ።

ዛጊት ልዕሊ 1000 ቆልዑ ‘ቲ ዞባ ብሰንኪ ጥሜት ሞይቶም ኣለው ክትብል ዝገለጸ ሳምናታ ፖወር፣ ኣመሪካ እትልግሶ ረዲኤት ኣብ መሰረታዊ ኣእካልን መኣዛዊ መግብታትን ከምዝውዕል ኣረዲኣ።

ከም ቻይና ዝኣመሰላ ካልኦት ሃገራት’ውን ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣንጸላልዩ ንዘሎ ደርቂ ንምምካት እጃመን ከበርክታ ጸዊዓ።

ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብሓፈሻ ልዕሊ 18 ሚልዮናት ሰባት ንሓደጋ ደርቂ ተቓሊዖም ከምዘለዉ ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት የመልክት።

ብፍላይ ኣብ ሓደ ሓደ ከባቢታት ኢትዮጵያን ሶማልን፣ ሰባትን ጥሪትን ይሞቱ ምህላዎም ይግለጽ።

ብሰንኪ ምልኪን ድኹም ምሕደራን ራህዋ ኣስተማቒሩ ዘይፈልጥ ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ኣብዚ ዝሓለፈ ሓሙሽተ ዓመታት፣- ለበዳ ኮረና ቫይረስ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተወልዐ ኵናት፣ ወራር ዕስለ ኣንበጣን ባህርያዊ ደርቂን ተደማሚሩ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ፣ ኣብ ዓለም እቲ ዝበኣሰ ሰብኣዊ ቅልውላው ዘለዎ ዞባ ኮይኑ ኣሎ።

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0