‘ንኤርትራ ብቀይሕ ምንጸፍ ምትእንጋድ ጌጋ ኢዩ።’ ሽወደናዊት ፖለቲከኛ

Radio Erena: 25 July 2022

‘ንኤርትራ ብቀይሕ ምንጻፍ ምትእንጋድ ጌጋ’ዩ’ ክትብል፣ ኦሳ ኒልሶን ሶደርስትሮም ዝተባህለት ሽወደናዊት ፖለቲከኛ ገሊጻ።

እታ ንሰልፊ ሊበራል ብምውካል፣ ኣብ ባይቶ ከተማ ስቶኮልም እትወዳደር ዘላ ፖለቲከኛ፣ ‘ኣፍቶንብላደት’ ንዝተባህለት ሓንቲ ካብ ዓበይቲ ጋዜጠታት ሽወደን፣ ብ21 ሓምለ ኣብ ዝልኣኸቶ ደብዳቤ ‘ያ ነዚ ገሊጻ።

ንሳ፣ ብምኽንያት እቲ ዓመታዊ፣ ኣብዚ ወርሒ’ዚ፣ ኣብ ሽወደን ዝካየድ ፌስቲቫል ኤርትራ ኣብ ሃገራት ስካንዲኒቭያ ብዝምልከት ብመንገዲ እታ ጋዜጣ ኣብ ዘመሓላለፈቶ መልእኽቲ ፣ ‘ናይ ቀታሊ ፌስቲቫል ኣብ ስቶኮልም ደው ክብል ኣለዎ’ ኢላ።

እቲ ዝበኣሰ ድማ እቲ ፌስቲቫል፣ ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር ስቶኮልም ዝርከብን ብማሕበር ያርቫ ፎልከትስ ዝውነንን ፓርክ ዝካየድ ምዃኑ እታ ፖለቲከኛ ወቒሳ።

ብስም ‘ኤርትራን ኤርትራውያንን’ ኣብ ዝተፈላለየ ሃገራት ፌስቲቫላት ዝካየድ እኳ እንተኾነ፣ መብዛሕቶም ተሳተፍቱ፣ ደገፍቲ ናይቲ ሰብኣዊ መሰላት ብምግሃስ ግኑን ስም ዘለዎን ሕሉፍ ምልካዊ ስርዓት ምዃኑ ዝውቀስን፣ ንኤርትራ ነዚ 31 ዓመታት ዝመርሐ ስርዓት ህግደፍ ምዃኖም ይፍለጥ።

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0