ኣመሪካ፣ ኣብ ሶማል ናይ ነፈርቲ ደብዳብ ኣካይዳ

ኣመሪካ፣ ኣብ ሶማል ናይ ነፈርቲ ደብዳብ ኣካይዳ

Radio Erena: 23 August 2018

shebab somኣመሪካ፣ ኣብ ሶማል ናይ ነፈርቲ ደብዳብ ከምዘካየደት፣ ሰራዊት ኣመሪካ እዚ ኣፍሪቃ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣፍሊጡ።

እቲ 48 ኪሎሜተር ንሰሜናዊ ምብራቕ ካብ ወደብ ኪስማዮ ርሒቑ ኣብ ዝርከብ ቦታ ዝተኻየደ ናይ ነፈርቲ ደብዳብ፣ ዕጡቓት ኣልሸባብ ንምህዳን ምዃኑ’ዩ ተሓቢሩ።

በቲ ብሰሉስ 21 ነሓሰ ዝተኻየደ ደብዳብ፣ ክልተ ዕጡቓት ከምዝተቐትሉ ሰራዊት ኣመሪካ እኳ እንተገለጸ፣ ኣብ ሰለማውያን ሰባት ዝወረደ ጉድኣት ኣይተሓበረን።

ኣመሪካ፣ ኣብዚ ዓመት’ዚ ጥራይ፣ ኣብ ሶማል ልዕሊ 20 ግዜ ናይ ነፈርቲ ደብዳብ ኣካይዳ ኣላ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ፕረዚደንት ሶማል መሓመድ ዓብዱላሂ ፋርማጆ፣ ናይ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊትን ሓለፍቲ ጸጥታን ምቅይያራት ጌሩ።

እቲ ፕረዚደንት ነዚ ዘተግብር ዘሎ፣ ኣልሸባብ ዝፈጥሮ ዘሎ ስግኣት ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናዛየደ ይመጽእ ብምህላዉ ምዃኑ ወትህደራውያን ተንተንቲ የመልክቱ።

================= 

COMMENTS

WORDPRESS: 0