ኣመሪካ፣ ንዝበዝሐ ክፋል የመን ተቖጻጺሩ ዝርከብ ሑቲ፣ ኣብ መዝገብ ሽበራ ከተስፍሮ ምዃና ትገልጽ

Radio Erena: 12 January 2021

ኣመሪካ፣ ነቲ ንዝበዝሐ ክፋል የመን ተቖጻጺሩ ዝርከብ ሑቲ ኣብ መዝገብ ሽበራ ከተስፍሮ ምዃና ይግለጽ ኣሎ።

ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፣ ማይክ ፖምፐዮ ነዚ ከምዘረጋገጸ ዝሓበራ ማዕከናት ዜና፣ ምምሕዳር ትራምፕ ክእለ ሓደ ሰሙን ጥራይ ተሪፍዎ ኣብ ዘለወሉ ግዜ’ዩ እዚ ዝግለጽ ዘሎ።

ኣመሪካ፣ ንሑቲ ኣብ መዝገብ ሽበራ እንተስራቶ፣ ንመስርሕ ሰላም የመን ተወሳኺ ዕንቅፋት ከምዝኸውን ዲፕሎማሰኛታት ስግኣቶም ይገልጹ።

ብኢራን ከምዝድገፍ ዝንገረሉ ሑቲ ንምእላይ፣ ካብ 2015 ኣትሒዙ፣ ብስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራትን ዝምራሕን ኤርትራ እትርከበን 31 ሃገራትን ዝደገፍኦ ኵናት፣ ዝኾነ ፍረ ከየምጽእ ድሕሪ ምትራፉ፣ ብደገፍ ኣመሪካ፣ ተወሳኺ ፖለቲካዊ ጸቕጢ ንምፍጣር ይህቀን ከምዘሎ’ዮም ሰበ ስልጣን ሑቲ ዝጠቕሱ።

ንሑቲ ንምድምሳሱ፣ ዝተኸፍተ ጽዑቕ ኵናት፣ ካብ ወደባዊት ከተማ ዓደን ክስሕብ እኳ እንተተገደደ፣ ብቀይሕ ባሕሪን ካልእን ዝርከብ ዝበዝሐ ስትራቴጃዊ ቦታታት እታ ሃገር ግና ኣብ ትሕቲ ቁጽጽሩ’ዩ ዝርከብ።

ኣብ ልዕሊ’ዚ ሑቲ፣ ወትሃደራዊን ፖለቲካዊን ሚዛን የመን ሒዙ ምህላዉ’ዩ ዝግለጽ።

ብስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራትን ዝድገፍ መንግስቲ የመን፣ ዝበዝሐ ኣካሉ ኣብ ስደት ኣብ ሪያድ ዝርከብ ኮይኑ፣ ነታ ብሓይልታት ስዑዲን ኢማራትን እትሕሎ ከተማ ዓድደን’ውን ዝበዝሐ ክፋላ ክቆጻጸራ ከምዘይክኣለ’ዩ ዝንገረሉ።

=============

COMMENTS

WORDPRESS: 0